Sunday , May 5 2024
German Health Minister Karl Lauterbach. (AP Photo/Michael Sohn) SOB106

ጀርመን: ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ተመላኽት

ጀርመን ተወሳኺ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ተመላኽት
ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን: ካርል ላውተርባኽ: (Karl Lauterbach) እቶም ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንኽንክዩ ተባሂሎም ኣብ ተግባር ውዒሎም ዘለው መምርሒታት ነቲ ሓድሽ ማዕበል ኦሚክሮን ጅር ንምክልኻል እኹል ከምዘይኮኑ ኣጠንቂቑ።
“እዞም ሕጂ ብዝተወሰነ መልክዕ ኣንጻር እዚ ማዕበል ናይ ለበዳ ንዕወተሎም ዘለና መከላኸሊታት፡ ነቲ ዕዙዝ ዝኾነ ምውሳኽ ናይ ቁጽሪ ዘርእይ ዘሎ ናይ ኦሞክሮናዊ ጅር መልከፍቲታት ንምዕጋት እኹል ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ” ክብል ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ናይ ለይታዊ ቤት ትልሂታት ተዓጽዮም፣ ተመልከትቲ ናይ ስፖርታዊ ንጥፈታት ተኣጊዶም፣ እቲ ዝበዝሐ መጠን ናብ ውልቃዊ ውራያት ዝኸዱ ሰባት ድማ ክትባት ዝወሰዱ ወይ ድማ ካብ ሕማም ዝደሓኑ ጥራሕ ኮይኖም፡ ካብ 10 ሰባት ዘይዛይድ ክኸውን ከምዝተገብረ ተሓቢሩ።
ክትባት ዘይወሰዱ ወይ ድማ ካብ ኮቪድ-19 ዝደሓኑ ምዃኖም ዘይተመስከረሎም ሰባት ድሮ ካብ ሹቓት፣ ቤት መግቢታትን ባህላዊ ንጥፈታት ዝካየደሎም ማእከላትን ከምዝተኣገዱ ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊ ጉዳያት ጥዕና እዞም መምርሕታት ብዝያዳ ክኸሩ ከምዝግባእ ኣጠንቂቑ ‘ሎ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማዓልቲ ዝርአይ ዝነበረ ቁጽሪ ናይ ኮቪድ ሕሙማት እንዳነከየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ’ሎ። ኮይኑ ግና ላውተርባኽ እቲ ቑጽሪ ናይ መልከፍቲ ካብቲ ዝተጸብጸበ “ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ዝዛየደ” ከምዝኾነ ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ግዜ ባዓላት ልደት መርመራ ዝገበሩ ሰባት ሒደት ከምዝነበሩ’ውን መሊኡ ኣማላኺቱ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com