Friday , May 3 2024

ጁቨንቱስ ብ ሓደ መዓልቲ ሽዱሽተ ነጥቢ ትኸስር

ትማሊ ምሸት ዋንጫ ሰሪ ኣ ኣብ ዝተኣንገደሉ  ክለብ ጁቨንቱስ ን ኣብ መበል 15 ደርጃ ዘላ ክለብ ፈረንቲና ዓዲማ ኣብ ዝካይደቶ ጸወታ፣ ክለብ ፈረንቲና ኣብ መበል 3 ደቂቕ ካብ ዱሳን፣ ደጊማ ኣብ 81 ደቂቕ ካብ ማርቲንስ ከማውን ኣብ 76 ደቂቅ ኣለክስ ሳንድሮ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብዘመዝገብ ሸቶ ተሓጊዛ ነታ ኣብ 18 ደቂቕ ን ካደራዶ ብ ቀይሕ ዝኸሰረት ጁቬንቱስ 3 ብ 0 ክትረትዓ ኪሊላ።

ተወሳኺ እውን ብ 4 ጥቅምቲ ክለብ ናፖሊ ብስንኪ ተጻወታ ብ ኮሮና ምልካፎም ብገዛ ፍቃዳ ካብ ጸወታ ብምቡኻራ ም ፎርፈት 3 ነጥቢ ን ጁቨንቱስ ተዋሂቡ ዝንበረ እውን ክትከስሮ ተገዲዳ። እዚ ዝኾነሉ ክለብ ናፖሊ ይግባይ ድሕሪ ብምባል ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣብ ዝገብሮ ምጽራይ ቁኑዕ ኮይኑ ብምርካቡ እዩ እቲ ዝተዋህበ 3 ነጥቢ ክምለስን ጸወታ ዳግማይ ክስራዕ ዝወሰነ። በዚ ውሳነ ስዒቡ ጁቨንቱስ ካብ መራሒት እዚ ሊግ ዘላ ኤሲ ሚላን ብ 7 ነጥቢ ብምድሓር ምስ ክለብ ናፖሊ ብ 24 ነጥቢ ብምዕርራይ ብ ሸቶ ተበሊጻ ኣብ ራብዓይ ደርጀ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com