Monday , May 6 2024

ጆንሶን. . . . ታዓጽዩ ዘሎ ንጥፈታት ሃገር ንምኽፋት፡ ብዘገምታ ክስራሕ ምዃኑ ይመባጻዕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ንነዊሕ እዋን ተዓጽዮ ዝጸንሐ ጥፈታት ሃገሩ ንምኽፋት ዘኽእል ሓድሽ መደብ፡ ኣብ ዕለት 22/02/2021፡ ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ናይ ምኽፋት መደብ፡ ጥንቃቐ ዝመልኦን ቀጻልነት ዘለዎን ክኸውን ምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተመባጺዑ ኣሎ።

ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ መጠን ናይቶም ዝልከፉ ሰባት፡ ከም እንደገና ክውስኽ እንተድኣ ተራእዩ፡ እቲ ናይ ምኽፋት መደብ ክሰጋገር ከምዝኽእል ብተወሳኺ ገሊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com