Friday , May 3 2024
U.S. President Joe Biden (Phil Noble/Pool Photo via AP) TKSJ702

ጆ ባይደን: ዜጋታት ብ ጅር ኦሚክሮን ከይሰናበዱ ጸዊዑ። 

ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን: ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ምርካቡ ዘሻቕል እኳ እንተኾነ ዜጋታት ዘየድሊ ምስንባድ ከየርእዩ ፕረሲደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ጸዊዑ።

ንሱ ሓድሽ ዕጽዋ ምእዋጅ ኣድላዪ ኮይኑ ከም ዘይረኣዮ ድሕሪ ምግላጽ “ሰባት ክኽተቡን ማስክ ክወድዩን” ጥራይ እኹል ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።

ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና: ኦሚክሮን: ኣብ ካናዳ ከም እተረኽበን ኣመሪካ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ናይ ጒዕዞ እገዳ ምንባራን BBC ሓቢራ’ላ። ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ: ኲባንያታት መፍረ መድሃኒት: ንናይ ህጹጽ እዋን ክታበት ውጥን ከውጽኣ ክግበር ምዃኑ እውን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ንፈለማ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትረኽበ ጅር ኦሚክሮን ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ኣመሪካ እውን ክርከብ ከም ዝኽእል ጆ ባይደን ትማል ሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ኔሩ እዩ።

ነዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ እውን ክንስዕሮ ኢና” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com