Tuesday , March 19 2024
Foto: Simon Rehnström / SvD / TT / Kod: 30386 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) och Expressen **

ገለ ኣንፈታት ንደለይቲ ስራሕ።

ናብ ሽወደን ምስ ኣተዂም፡ ብኸመይ ስራሕ ትረኽቡ? ክንደይ ግዜኸ ይወስደልኩም? ስራሕ እንክትደልዩ፡ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዉ ኣለኩም? ሬድዮ ሽወደን፡ ሓደስቲ መጻእተኛታት ሽወደን ብኸመይ ስራሕ ይረኽቡ ንዝብል ሕቶ ሒዛ፡ ምስ ኣካያዲት ህዝባዊ ሽቕለት ሽወደን፡ ኢቫ ቬስትሉንድ ጻንሒት ጌራ ኔራ። ንሳ “ብቐዳምነት ክገብርዎ ዝግባእ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ሽቕለት ምምዝጋብ እዩ። ከምዚ ምግባሮም፡ ኣበይን ከመይ ዝበለን ስራሕ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ገለ ምኽሪ ክህቦም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል፡ ወይ ካልኦት ብሕታውያን ትካላት ብቐጻሊ ምፍታሽ፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ክውስኾ ይኽእል እዩ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኲሉ ዓይነት ስራሕ ይዝርዘር ማለት ኣይኮነን ዝበለት ቬስትሉንድ፡ እንተኾነ ግና ብዙሓት ዓይነታት ሽቕለታት ከም ዝህልዉ ኣረዲኣ። “ዝረኸብካዮ ስራሕ ኣይትንዓቕ። ግድን ናይ ሕልምኻ ስራሕ ክኸውን ኣይትጸበ። ካብ ኮፍ ኢልካ ዝሰማማዓኒ ስራሕ ጥራይ እየ ዝኣቱ እናበልካ ምምራር፡ ዘይትመርጾ እውን እናሰራሕካ ካልእ ዝሓሸ ስራሕ ምንዳይ ተመራጺ እዩ” ኢል’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com