Monday , May 6 2024

ገበናት ትራፊክ ክሳብ 5 ዓመታት ዘእስር መቕጻዕቲ ክብየነሎም ዝብል ሓድሽ እማመ ወጺኡ።

መንግስቲ ሽወደን ምስታ፡ ንተደጋጋሚ ገበናት ትራፊክ ክሳብ 5 ዓመታት ዘእስር መቕጻዕቲ ክብየነሎም ዝብል ሓድሽ እማመ፡ ንኽትምርምር ዘቖመት ኮሚቴ ከም ዝዘተየ ተፈሊጡ። ንዝተፈላለዩ ናይ ትራፊክ ገበናት ዝፍጽሙ ውልቀ ሰባት ክሳብ 5 ዓመታት ዝበጽሕ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ንኽብየነሎም እቲ እማመ ይጽውዕ። ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን፡ ሞርጋን ዮውሃንሰን፡ እቲ መንግስታዊ መርማሪ፡ ኣን ራፕ፡ ኣብ ጸብጻቡ ዝተረረ መቕጻዕቲ ንኽብየን ከምዝሓተተ ክብል ሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።

እቲ መንግስታዊ መርማሪ ኮሚቴ፡ ዝኾነ ሰብ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ መኪና ንዝመርሕን ወይ ድማ ሰኺሩ እንከሎ መኪና ንዝመርሕን ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመታት ዝኣክል ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ክብየነሉን ብተወሳኺ ጠገለ ዘይብሉ ስኽራን ዝፍጽም ሰብ ካብ 2 ክሳብ 3 ዓመታት ናይ መቕጻዕቲ ማእሰርቲ ክብየነሉ ይግባእ ክብል ርእይትኡ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ነቶም ብቀጻሊ ሓደገኛ ናይ ትራፊክ ጌጋታት ዝፍጽሙ ሰባት ሓዲሽ ናይ መቕጻዕቲ ውሳነ ክብየነሎም ከምዝግባእ ገሊጹ።

ሓደ ውልቀ ሰብ ገለ ካብ ሕግታት ትራፊክ፡ ከም ሸለልትነት ኣብ ግዜ መኪና ምምራሕ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ መኪና ምምራሕ፡ ሰኺርካ እንከለኻ መኪና ምምራሕ ዝኣመሰሉ ገበናት ምስ ዝጥሕስ ከም ገበነኛ ክፍረድ ምዃኑ እቲ መንግስታዊ መርማሪ ኮሚቴ ይሕብር። መቕጻዕቲ ናይ ሓድሽ ግዜ ገበን ድማ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመታት ማእሰርቲ ክኸውን ከምዝግባእ እቲ መርማሪ ሓቢሩ። ሕጊ ትራፊክ ናይ ምምሕያሽ እማመ ዝቕጽል ዓመት ናብ ፓርላማ ክቐርብ ምዃኑ ሚኒስተር ዮሃንሰን ኣመልኪቱ። ናይ ሞት ሓደጋ ከስዕቡ ዝኽእሉ ጠባያትን ባህርያትን ኣብ ግዜኦም ከም ዘቋርጹ ምግባር ሓላፍነትና እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com