Saturday , May 4 2024

ጉንፋዕ

ጉንፋዕ ማለት ልሙድ ተርእዮ ኾይኑ ነድሪ ልፋጫዊ ቀጸላ ናይ ኣፍንጫ ፡ልዕሊ ሰርኖ ኣፍንጫና ዝርከብ ሻምብቆታት ላዕለዋይ ክፋል ስርዓተ ምስትንፋስ ከምኡውን ጎሮሮና የጠቃልል።
ልፋጫዊ ቀጸላ እንተደኣ ነድሪ ገይሩልና ፡ይሓብጥ እሞ ብዙሕ ንፋጥ ወይ ጸረርታ ከነውጽእ ንኽእል።
ኣፍንጫና ክዓጽወና ወይ ክዕፍነና ይኽእል።ልፋጫዊ ቀጸላ ቁጥዔ/ነድሪ ጌሩ ማለት ምህንጣስ ወይ ብዙሕ የስዕለና ማለት እዩ።ቃንዛ ጎሮሮ፡ድምጽና ይቕየር(ናይ ድምጺ ሳጹን እንተነዲሩ )፡እንሓንሳብ ውን ቃንዛ እዝኒ ክገብረልና ይኽእል።
ጠንቂ ልሙድ ጉንፋዕ ቫይረስ እዩ ኮይኑ ድማ ብቐሊሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብምስትንፋስ፡ ክመሓላለፍ ይኽእል ንኣብነት ኣብ ኣውቶቡስ፡ ትራም፡ባቡር ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕካ ድኣመስሉ ቦታታት ብቀሊሉ ክመሓላለፍ ይኽእል። ከምኡውን ጉንፋዕ ዝሓዞ ሰብ የእዳዉ ብግቡ እንተዘይ ኣጽሪይዎ ምስኡ ዝግበር ናይ ኢድ ሰላምታ ብቀሊሉ ክሓልፈና ይኽእል ፡እዚ ማለት ድማ ን ጉንፋዕ ንኽንከላኸሎ ኣዝዩ ክቢድ እዩ።

ጉንፋዕ እንተድኣ ሃሊዩና ባዕልና እንታይ ክንገብር ይግብኣና
· ኣብ እዋን ንህንጥሰሉ ወይ ንስዕለሉ ኩሉ ግዜ ኣፍና ብመንዲል ክንሽፍኖን ከምኡውን ብዝከኣለና መጠን ቀጻሊ የእዳውና ብግቡእ ከነጽርዮ ይግባእ።
· ተወሳኺ ቑጥዔ/ነድሪ ልፋጫዊ ቀጸላ ዝፈጥሩ ነገራት ነወግድ ፡ንኣብነት ምትካኽ ሽጋራ ንምልክታት/ጥርዓናት ጉንፋዕ ንነዊሕ እዋን ከምዝቕጽል ይገብሮ።
· እንሓንሳብ ብሃፋ ምዕጣን ንምልክታት ጉንፋዕ ክንክዮ ይኽእል ፡እንተኾነ ግን ንመስርሕ ምሕዋይ/ ፍወሳ ከቀላጥፎ ኣይክእልን።
· ኣብ መዓልቲ 3 ግዜ ንርብዒ ስዓት ብሃፋ ንተዓጠን።እዚ ናይ ሃፋ ምዕጣን ኣብ ባኞ ክግበር ይኽእል ልዓት ናይ ውዑይ ማይ ብምኽፋት ብምፍሳስ ማዕጾ ድማ ክዕጾ ኣለዎ።ማይ ብምውዓይ ወይ ብምፍላሕ ውን ሃፋ ክንዕጠን ንኽእል(እዚ ውዑይ ማይ ከየቓጽለና ክንጥንቀቅ ይግባእ እንተተኻኢሉ ትሕቲ 60 ዲግሪሰንትግሬድ ነውዕዮ)።መጠንቀቕታ ፡ንነኣሽቱ ህጻናት ብፍጹም ክንጥቀም የብልናን ምኽንያቱ ህጻናት ንዝያዳ ሓደጋ ቃጸሎ ቁሉዓት ስለዝኾኑ
።ኣፍንጫኻ ተዓጽዩ/ተዓፊኑ ዶ? ሓደ ሓደ እዋን ብጨውን ማይን ዝዳሎ ፈሳሲ ኣብ ኣፍጫ ደጋጊምካ ንገለ እዋናት ብምንጣብ ንምልክታት ጉንፋዕ ከነህድኦ ንኽእል።
ሓንቲ ማንካ ጨው ምስ ልብጥ ዝበለ ማይ ኣብ ንእስ ዝበለት ብልቓጥ ጥርሙዝ ባዕልና ከነዳሉ ንኽእል(ንዓበይቲ ጥራይ ንህጻናት ኣይምልከትን) ን መዓልቲ ደጋጊምካ ኣብ ክልቲኡ ኣፍ ኣፍንጫና ከነንጥብ ንኽእል።እዚ ብጨውን ማይን ዝተዳለወ እንተ ካብ ዱካን ክትገዝኡ ደሊኹም ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሱፐርማርኬትን ፋርማሲታትን ይርከብ።
ልሙድ ዝኾነ ጉንፋዕ ባዕሉ ክሓዊ ወይ ክገድፈና ይኽእል፡እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ እዋን ንገለ ሳምንታት ክጸንሕ ይኽእል።ጠንቂ ጉንፋዕ ቫይረስ ስለዝኾነ መድሃኒት ጸረ ባክተርያ ምውሳድ ዝኾነ ጥቕሚ የብሉን።

ድሕሪ ገለ ሳምንታት ምልክታት/ጥርዓናት ጉንፋዕ ምስዘይገድፉና ናብ ሓኪምና ሃውዛርትስ ክንውከስ የድልየና።
ምልክታት ጉንፋዕ ነዞም ዝስዕቡ ጥርዓናት ምስዝኾኑ ምኽንያት ምውካስ ሓኪም/ሃውዛርትስ ክኾኑ ይኽእሉ ፡ንኣብነት፣
· ኣብ ከቢድ ጸገም ምስእትህሉ (ንኣብነት፥ሕጽረት ትንፋስ)
· ፊጽ ፊጽ ዝብል ናይ ምስትንፋ ድምጺ ምስዝህልወና
·ብርቱዕ ናይ ድኻም ወይ ኣካላትና ረሸሽ ምስዝብለና
· ረስኒ ምስዝህልወናን (ልዕሊ 38 ድግሪሰንትግሬድ ብመቐመጫ መጠን ሙቐት ብምውሳድ ) ረስኒ ድማ ልዕሊ 5 መዓልታት ምስዝቕጽል
·ኣዚና ብርቱዕ ናይ ሕማም ስምዒት እንተተሰሚዑናን ኣዚና እንተደኺምናን ።
ነስተውዕል: ጉንፋዕ ወይ ርስኒ ንዘለዎም ህጻናት ካልእ ምኽርታት እዩ ዝውሃብ።

ጽማቕ ትሕዝቶ
·ጉንፋዕ ነድሪ ናይ ልፋጫዊ ቀጸላ ናይ ላዕለዋይ ሻምብቆታት ስርዓተ ምስትንፋስ እዩ ፡ኣፍንጫ፡ሳይኑስ(ልዕሊ ስርኖ ዝርከብ) ከምኡውን ጎሮሮና የጠቓልል
·ምልክታት ልሙድ ዝኾነ ጉንፋዕ ምህንጣስ፡ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ ፡የስዕለና ፡ ቃንዛ ጎሮሮ ፡ድምጽና ይቅየር፡ ከምኡውን ቃንዛ እዝኒ ክገብረልና ይኽእል።
·ጠንቂ ጉንፋዕ ቫይረስ እዩ
·ጉንፋዕ መድሃኒት ዘድልዮ ኣይኮነን
·ብኣፍንጫ ዝነጥብ ነጥቢ ወይ ኣብ ኣፍንጫ ዝንፋሕ xylometazoline ዝተባህለ ክንጥቀም ንኽእል።

ንዝያዳ ኣፍልጦ
እዚ ልሙድ ዝኾነ ጉንፋዕ ካብ ብናይ ኢንፍሉወዛ ቫይረስ ዝስዕብ ጉንፋዕ (flu) ዝተፈልየ እዩ ጠንቂ ልሙድ ዝኾነ ጉንፋዕ ብዙሓት ዓይነት ቫይረስ እኳ እንተኾኑ እቲ ብብዝሒ ዝጥቀሱ ግን( rhinoviruses) እዮም ናይ (flu)  ድማ ኢንፍሉወዛ ቫይረስ እዩ ።ኣብ ዝመጽእ ዛዕባ (flu)  ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com