Thursday , May 2 2024

ግሪኽ፡ ንቅልውላው ኮሮና ምኽንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብእትፍጽሞ ዘላ በደላት ተኸሲሳ ተባሂሉ

ዶክተርስ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዝተህለ ትካል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ግሪኽ ንዘሎ ኣገባብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኮኒኖሞ። ጀርመን ካብ ደሴታት ግሪኽ 6 ትሕቲ ዕድመ እኳ እንተወሰደት እዞም ስደተኛታት ካብቲ ክበጽሕዎ ዝግበኦም ዝነበረ ብኣዋርሕ ድሒሮም ዝኸዱ እዮም ክትብል ግሪኽ ኣፍሊጣ።

ግሪኽ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዘሎ ጭቕጭቕ ዝበለ ኣገባብ መነባብሮን ቅልውላው ለበዳ ኮሮናን ኣብቶም ስደተኛታት ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ንምንባር ትጥቀመሉ ምህላዋ ድማ ከሲሶም።

ዕለት 21/03/2020 ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝመሓላለፈቶ ናይ ምፍላይ ስጉምቲ ክሳብ 19/07/2020 ከም ዝናዋሕ ምግባራ ድማ ሚኒስተር ስደተኛታት ሓቢሩ።

ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ዓሰርተ ዘይበዝሕ ጉጅለ ኮይኖም ካብ ሰዓታት ሸውዓተ ንግሆ ክሳብ ትሽዓተ ምሸት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ መዓስከር ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ከም ዝፍቀድ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሰዓት ክሳብ 150 ሰባት ዘይበዝሑ ጥራይ ክንቀሳቐሱ ከም ዝፍቀደሎም እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ሌዝቦስ፡ ኣወሃሃዲ ዶክተርስ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዝኾነ፡ ማርኮ ሳንድሮኒ፡ ነዚ ብግሪክ ዝተወስደ ናይ ምፍላይ ስጉምቲ ኮኒንዎ ኣሎ። “ምኽንያት ናይዚ ምፍላይ ምስ ህዝባዊ ጥዕና ዘራኽብ የብሉን” ክብል ኣቐዲሙ ዝገለጸ ማርኮ ኣብቲ መዓስከር ዝኾነ ሕሙም ዘይምህላዉ ነዚ ኣካይዳ ዘይሕጋዊ ከም ዝገብሮ ይሕብር።

ኣብ 5 ደሴታት ኤጅያን 32 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ምህላዎምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓስከር 5400 ከም ዝቕመጡን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ መጠን ብዝሒ ስደተኛታት ድማ ምስ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረት ፈጢሩ ምህላዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ግሪኽ፡ ወቕቲ ቱሪዝም ንምድንፋዕ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ክኣትዉ ኣብ ምፍቃድን ኣሽሓት ሰባት ብሓንሳብ ናብ ሜይንላንድ ግሪኽ ኣብ ምውፋር ከም ዝርከብ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com