Sunday , May 5 2024
A view of the new multi-purpose reception and identification migrant centre which was constructed near Vathy town, on the eastern Aegean island of Samos (AP Photo/Michael Svarnias) XYK109

ግሪኽ፥ ኣዘራራቢ መዓስከር ስደተኛታት ዳግም ተኸፊቱ

ኣብ ግሪኽ ዝርከብን ቅድሚ ሕጂ፡ ምስ ሓሙሽተ ርእሱ እተዓጽወ መዓስከር ስደተኛታት: ብቐዳም: ዳግማይ ከም እተኸፍተ ተገሊጹ። እዚ መዓስከር ስደተኛታት: ሓደ ካብቶም ብሕሱም መነባብሮ ስደተኛታት ብዙሕ ነቐፌታ ክዘንቦ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ብርክት ዝበላ ውድባት ብምኽፋት እዚ መዓስከር ስደተኛታት እተስምዐን ስክፍታ ይገልጻ ኣለዋ። እዚ ኣብ ደሴት ሳምስ ዝርከብ መዓስከር: ብትሪኮላታ እተሓጽረ ኮይኑ ናይ ስለያ ካሜራታትን ናይ ኤክስ ረይ ሰኣልታትን ከም ዘለዎ እውን ተመልኪቱ። እተን ካልኦት ኣርባዕተ መዓስከራት ድማ ኣብ ደሴታት ሌሮስ፥ ኮስ፥ ኪኦስን ሊዝቦስን ክኽፈታ እየን። ዝበዝሑ እዞም ስደተኛታት ብባሕሪ ቱርኪ ኣቢሎም ከም ዝመጹ እዩ ዝንገር።

ኣህጒራዊ ሓለዋ ዝደልዩ ሰባት: በዘን ሓደስቲ መዓስከራት ኣቢሎም ዝሓሸ ክብሪ ዘለዎ ኣታሕዛ ከም ዝግበረሎምን እቶም ዘይሕጋውያን ድማ ክሳብ ናብ ዓዶም ዝለኣኹ: ዝተሓዙሉ ምዃኑ ሚኒስተር ስደተኛታት ግሪኽ: ኖቲስ ሚታራኪ: ኣብቲ ምምራቕ እዘን መዓስከራት ኣፍሊጡ።

እዚ ከም ፓይለት ፕሮጀክት እተኸፍተ መዓስከር ሳሞስ: ኣፍ ደጌታቱ ብምሸት ዕጹዋት ከም ዝኾኑን ብኤለትሪካዊ መፍቱሕ ጥራይ ከም ዝኽፈትን ተገሊጹ’ሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓዊስካ: ብርክት ዝበላ ውድባት ግሪኽ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ዝጻባእ ፖሊሲ ትኽተል ኣላ ብምባል ኲነኔ ከም ዘስዓባላ ዝዝከር እዩ። UNHCR ብወገኑ ብምኽፋት እዚ መዓስከር ስክፍታ ከም እተሰምዖ ገሊጹ’ሎ።

“እዚ ዕጽዋ ዝበሃል ቃል ኣሻቓሊ እዩ። ብመሰረቱ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ገበነኛታት ኣይኮኑን፥ ንሕብረተሰብ እውን ከም ስግኣት ክረኣዩ የብሎምን። ሓገዝና ዝደልዩ ሰባት እዮም” ክትብል ኣባል UNHCR ሚርዬል ጂራርድ ቅሬታኣ ገሊጻ’ላ።

ኣብቲ ብቅልውላው ስደተኛታት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመተ 2015 ካብ ሶርያ፥ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ናብ ግሪኽ ምእካቦም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቅልውላው ናብ ካልእ ዋሕዚ ስደተኛታት ከየምርሕ ስግኣታት ምህላዉ እውን ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com