Thursday , May 2 2024
Credit: Stina Stjernkvist/TT

ጒጅለ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ ሩስያ “ኣሰካፊ ዓፈና” ይፍጸም ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብሩስያ ዝካየድ ዘሎ ወራር ብኲናት ዝወርድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስዓቡ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ እውን ዓፈና መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ብሰፊሑ ንኽካይድ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ሓደ ኣብ ስቶክሆልም ዝመደብሩ ኣህጒራዊ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ኣቃሊዑ።

ኣብ ዩክሬይን ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ ናይ ድሕነት ስግኣት ስለ ዘለዎም ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ግዜኦም ኣብ ምብጽጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ የውዕልዎ ብምህላዎም ዕዮኦም ብምልኣትን ብግህዶን ከሳላስሉ ከም ዘይክእሉ ሓላፊት ክፍሊ ዩሮኤዥያ እዚ ውድብ ዝኾነት ሄለን ራስክ ትገልጽ።

ብዘይካዚ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ነዚ ኲናት ዝቃወሙ ሲቪላውያን ይሕየሩን ጠበቓ ናይ ምራብ መሰሎም ይጠሓስ ምህላዉን ሄለን ወሲኻ ኣረዲኣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com