Saturday , May 4 2024

ጠፈርተኛ ማርከስ ዋንድት ናብ መሬት ምምላስ ይጅምር

Credit: Elaine Mooe/Sveriges Radio

ን ዓሰርተ ሾብዓተ መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሽወደናዊ ጠፈርተኛ ማርከስ ዋንድት ሎሚ ድሒሩ ናብ መሬት ናይ ምምላስ ጉዕዞኡ ክጅምር እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ህዋ ሽወደን፡ ዋንድት ካብ ISS ሰዓት 3፡05 ድሕሪ ቀትሪ ክብገስ ምዃኑን፡ ጽባሕ ዓርቢ ድማ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ኣስታት ሰዓት 2.30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወሰን ፍሎሪዳ ኣብ ባሕሪ ክዓልብ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እቲ ጒዕዞ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ተዓጊቱ ምጽንሑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com