Sunday , May 5 2024
fills a syringe with the Pfizer COVID-19 vaccine (AP Photo/Charles Krupa) NHCK103

ጸብጻብ መጠን ብዝሒ ግዳያት ኮቪድ-19

መጠን ብዝሒ ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሽወደናውያን፡ ኣስታት 1.14 ሚልዮን ከምዝበጽሐን ካብዚኣቶም፡ 14729 ሰባት፡ ብሰንኪ እዚ ሕማም ዘስዓቦ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምተፈልዩ ጸብጻባት በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜን ተተ ኣቃሊሑ።

ክሳብ ሕጂ፡ 7037966 ሚልዮን ካብ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኽትቡ ኮይኖም እዚ ድማ ኣስታት 82.4% ካብ ህዝቢ ሽወደን ዘጠቓለለ ቁጽሪ እዩ።

72.8% ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ምዃኖምን ብቑጽሪ ክረአ እንከሎ፡ 6221380 ሚልዮን ሰባት፡ በጺሑ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com