Friday , May 3 2024
The conflict in ethiopia's Tigray region has been going on for 14 months. In the photo, the military forces of the central regime parade (AP Photo/Jamejam Online, Chavosh Homavandi, File)

ጸብጻብ … ድሕሪ መጥቃዕቲ ድሮን: ኣብ እንዳ ጠሓኒት: ሞት ስዒቡ

ኣብ ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ: ድሕሪ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ: እንተወሓደ 17 ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛታት ገሊጾም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማይጸብሪ ዝተፈጸመ ኮይኑ እቶም ግዳያት ድማ ኣብ ሓደ እንዳ መጥሓን ዝነበሩ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
እዚ ጸብጻብ: ኣብቲ ቦታ ካብ ዝርከቡ መሰኻኽር ናይ ዓይኒ ዝተረኽበ ምዃኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እቲ ቦታ ድማ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ናይቲ ከባቢ ሓይልታትን ዘካይድዎ ዘለው ኲናት ዝግበረሉ ናይ ግጭት ቦታ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር ዘሎ።
እዚ ብሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ተፈጺሙ ዝባሃል ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ብሳልሳይ ወገን ኣይተረጋገጸን።
ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት፡ ኣብ ሓደ መዓስከር ናይ ስደተኛታት  ኣብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ናይ ድሮን፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ AFP ምጽብጻቡ ዝዝከር’ዩ። እቲ መጥቃዕቲ ብትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተረጋገጸ ምንባሩ’ውን ዝዝከር’ዩ።
እተን ድሮናት፡ ቅድሚ ነቲ ዝሓዝኦ ነታጒ ምድርባየን ኣብ ላዕሊ ይዝንብያ ከምዝነበራ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እቶም ግዳያት እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብስንባደ ሕንፍሽፍሽ ይኣትዎም። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ኣውያት ክስማዕ ጀሚሩ። ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ ድማ ሞይተን ተረኺበን ክብል ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ።
እዚ ግጭት ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ዋና ተጻባእቲ ድማ፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ሓይሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝግበር ዘሎ ኲናት እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com