Friday , May 3 2024

ጽልዋ ክታበት ክሮኖ ኣብ አንዳ ዓበይቲ ክረአ ጀሚሩ

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ክወሃብ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ይዝከር። በዚ መስረት ድማ እቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ እቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ምዃኖም ተሓቢሩ ነይሩ፡ ቀጺሎም ኣብ ካልኣይ ደርጃ ተሰሪዖም ዘሎዉ ድማ እቶም እንዳ ዓበይቲ ዝሰርሑ ዘለው ምዃኖም፡ ማርቲን ቲቪዊስ ይዛረብ።

ክታበት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ዓበይቲ ክረአ ዝጸንሐ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብ75% ምጉዳሉ ማርቲን ቲቪዊስ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

እቶም ነዚ ክታበተ ክወስድዎ ፍቃደኛታት ዘይኮኑ እሞ ከኣ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡ በቲ ትካል ዝወሃቦም ካልእ መደብ ስራሕ ክወሃቦም ምዃኑን እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት’ቲ ትካል፡ ናይ ስራሕ ምምቕራሕ ክህሉ ማለት እዩ ክብል ማርቲን ቲቪውስ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com