Monday , May 6 2024

ጽምብል ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ሽወደን

 

ሎሚ ሰንበት መዓልቲ፡ ዕለት 06/06/2021፡  ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ሽወደን እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ኣገባብ ኣበዓዕላ፡ ንመምርሒታት ኮሮና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜን ኣልኮሚስ ንማዕከን ዜና ተተ ምንጪ ብምግባር ሓቢሩ።

ጽምብል በዓል መዓልቲ ሽወደን፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ከባቢ ስካንሰን፡ ስቶክሆሎም፡ ሰዓት 8 ድ.ቐ. ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ዝካየድ ጽምብል፡ ንጉስ ሽወደን፡ ካርል መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ጉስታፍ፡ ምስ ንግስቲ ሲልቪያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ኣቦወንበር ፓርላማ ሽወደን ክርከቡ እዩም።

ኣብቲ ዝካየድ ጽምብል፡ ናይ ቀደም ኮሚሽነር ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሲሲልያ ማልምስትሮም፡ ከምኡ ውን ንጉስ ሽወደን፡  ቃሎም ከስምዑ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መዓልቲ ጽምብል በዓል ሽወደን፡ ባንዴራታት’ታ ሃገር ከንበልብሉን ሃገራዊ መዝሙር ክዝመርን ከምኡ ውን ብሊዛ ኒልሰ፡ ቱሲን፡ ቺዛ፡ ማሊን ቢስትሮም፡ ሆዜ ጎንዛለስን ኣማንዳ ጌንስቤሪን ዝኣመሰሉ ሙዚቀኛታት፡ ባህላዊ ምርኢታትን ከቐርብ እዩ።

ኣብ ከም በዓል ቢሊኪንግ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ሽወደን ድማ፡ ባንዴራ ሽወደን ብሆሊኮፕተራት ከንበልብል ተራእዩ።

ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ፡ ስነስርዓት ጽምብል መዓልቲ ሽወደን፡ ብመንገዲ 8850 ሓደስቲ ዜግነት ሽወደን ዝተዋህቡ ሰባት ኣቢሉ ክካየድ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com