Sunday , May 5 2024
Anti-vaccine protesters protested on July 17 after President Emmanuel Macron announced more vaccine requirements -- including that health workers must get vaccinated in order to keep their jobs. That requirement entered into force on 15 September. (AP Photo/Adrienne Surprenant) TH106

ፈረንሳ፤ ንዘይተኸትቡ ሰባት ካብ ስራሕ ደው ኣቢላ

ኣስታት 3000 ዝኾኑ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዘይተኸትቡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና፤ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ካብ ስራሕ ደው ከምዝብሉ ኮይኖም ኣለዉ ክትብል ፈረንሳ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከቡ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዘይተኸትቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፤ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ክፍሊት ካብ ስራሕ ደው ከምዝበሉ ዝሕብር መልእኽቲ (ደብዳቤ) ከምዝተሰደደሎም፤ ሚኒስተር ጥዕና ፈረንሳ፤ ኦሊቨር ቨራን፤ ገሊጹ።
ብዙሓት ሰባት፤ ክታበት ንኸይክተቡ፤ ካብ ስረሖም ብገዛእ ፍቓዶም ከምዝተሰናበቱ ይፍለጥ። ይኹንእምበር፤ ኣገልግሎት ጥዕና ፈረንሳ፤ ህላውነት ናይ 2.7 ሚልዮን ኣባላት ኣውሒሱ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና፤ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን፤ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክኽተቡ ከምዝግባእ፤ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፤ ፕረዚደንት ፈረንሳ፤ ኢማኑኤል ማክሮን፤ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።
ነዚ ዝወጸ ውሳነ ንምቅዋም፤ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ እንከለዉ፤ ገለ ድማ ናይ መግቢ ምሕሳም ተቓውሞ ጀሚሮም ከምዘለዉ፤ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ይሕብሩ።
70% ካብ ዜጋታት ሃገረ ፈረንሳ፤ ምሉእ ክታበት ከምዝረኸቡን ኣስታት 74% ድማ ሓንቲ እብረ ክታበት ዝረኸቡ ምዃኖም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com