Friday , May 3 2024
(Ludovic Marin, Pool via AP) PAR101

ፈረንሳ ናብ ዩክሬይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትልእኽ ቃል ኣትያ።

ፈረንሳ ናብ ዩክሬይን ተወሳኺ ኣጽዋር ክትልእኽ ምዃና ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ገሊጹ።

ብዘይካዚ ፈረንሳ ንሰራዊት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ነዳዲ ዘይቲ እውን ክትልእኽ እያ።

ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማል ሰንበት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ምዕራብ ዝተላእከ ኣጽዋርን ካልእን ናብ ዩክሬይን ይመጽእ ምህላዉ ምግላጹ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ምጅማር ወራር ሩስያ ሓሙስ መዓልቲ ን ፑቲን ጻውዒት ከም ዘገበረሉን ነዚ ኲናት ብህጹጽ ደው ከብሎ ከም ዘተሓሳሰቦን እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ሃቢራ። ፈረንሳ ነዚ ወራር ትዂንኖን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኸኣ እገዳታት ክጸዓን ትድግፍን እኳ እንተኾነት ምስ ፑቲን ልዝብ ንኽካየድ ባብ ምርሓብ እውን ኣድላዪ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ማክሮን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com