Saturday , May 4 2024
the statues of former North Korean leaders Kim Il Sung, left, and Kim Jong Il on Mansu Hill in Pyongyang, North Korea (AP Photo/Jon Chol Jin) TKHK810

ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ ተፈንዩ

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዘካየደቶ ዝሓየለ ፈተነ ሚሳይል ኣመልኪታ፡ ካብ ጠፈር እተረኽቡ እዮም ዝበለቶም ስእልታት ፈንያ።

ፕዮንግያንግ ብሰኑይ ኣብ ዝፈነዎ ሓበሬታ፡ ማእከላይ ርሕቀት ናይ ዝጐዓዝ ባሊስቲክ ሚሳይል ፈተነ ምክያዳ ኣረጋጊጻ’ላ። እዚ ሚሳይል፡ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ክጐዓዝ ዝኽእል ኮይኑ ንከም ጉዋም ዝበለ መሬት ኣመሪካ ክበጽሕ ከም ዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ቀረባ ዘካየደቶ ፈተነ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ኣብ ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ብዙሕ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ፕዮንግያንግ፡ 7 ግዜ ፈተነ ሚሳይል ምክያዳን ካብ ጃፓን፥ ደቡብ ኮርያ ከምኡውን ኣመሪካ ከቢድ ኲነኔ ከም ዝበጽሓን ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com