Thursday , May 2 2024

ፊንላንድ፥ ቋንቋ እንግሊዝ እግሪ ይተክል ምህላዉ ንብዙሓት የሻቕሎም

ብዙሓት ፊንላንዳውያን፡ እንግሊዝኛ ብዋጋ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ዝሰፍሐ ቦታ ክረክብ እዩ ዝብል ፋዕራ ከም ዘይብሎም ብኦማ ኪየሊ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣስታት 85% ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኩባንያታት ብቐንዱ ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ንተጠቀምቲ ከገልግላ ኣለወን ዝብል መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝሰማምዑ ገሊጾም። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣስታት 10% ጥራይ እዮም ምስቲ መግለጺ ዘይተሰማምዑ። እንግሊዝኛ እንኮ ቋንቋ ኣገልግሎታት ምዃኑ ብ 82% ከም ኣድልዎ ክረአ እንከሎ ብ 16% ካብቶም ወሃብቲ መልሲ ግና ከም ኣድልዎ ኣይተቖጽረን። ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ (72%) ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ብሰፊሑ ኣገልግሎታትት ብእንግሊዝኛ ምዃኑ፡ ስደተኛታት ናይ ፊንላንድ ወይ ሽወደናዊ ክእለቶም ከየማዕብሉ ተስፋኦም የጸልምቶ ኣሎ ኣብ ዝብል መግለጺ ተሰማሚዖም። እንተኾነ ግና ዳርጋ ርብዒ (23%) ካብቶም መለስቲ ፡ ምሉእ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ምስቲ መግለጺ ኣይተሰማምዑን። እቶም መለስቲ ብተወሳኺ ሓደ ካብ ሃገራዊ ቋንቋታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምምላኽ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ምስ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ከምዘኽእሎም ብ 91% ክሰማምዑ እንከለዉ፡ 6% ነዚ ኣይተቐበልዎን። እንግሊዝኛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ትምህርትን ናይ ስራሕ ህይወትን ስፍራ ረኺቡ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ምዕባለ ብቐንዱ ብኣሉታ ዝረአ ዘሎ ይመስል። ልዕሊ ፍርቂ (61%) ካብ መለስቲ ፡ ኣብ ናይ ፊንላንድ ናይ ስራሕ ቦታ እንግሊዝኛ ብምጥቃም ኣፍራይነት ጉልበት ክጉዳእ እዩ ዝብል ርእይቶ ክህልዎም እንከሎ፡ 29% በዚ ኣይሰማምዑን። እንግሊዝኛ ምጥቃም ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎዶ ኣብ ዝብል 72% ዝሰማምዑ፡ 21% ከኣ ዘይሰማምዑሉ ኣርእስቲ እዩ። ንመብዛሕትኦም ተማሃሮ ብባዕዳዊ ቋንቋ ትምህርቲ ምሃብ ንጽሬት ትምህርቲ ፊንላንድ የዳኽሞ’ዩ ዝብ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። እቲ ዳህሳስ ንኦማ ኪየሊ ዝተባህለ ኣብ ፊንላንድ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ከም ቀንዲ ቋንቋታት ዝስፋሕፍሕ ትካል ኣብ ወርሒ መስከረም ብቬርያን ዝተኻየደ እዩ። እቶም ነቲ መጽናዕቲ መልሲ ዝሃቡ 1,338 ሰባት፡ ንልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሜይንላንድ ፊንላንድ ዝውክሉ እዮም። ካልኣይን ሳልሳይን ክፋል ናይቲ መጽናዕቲ ድሒሩ ዝሕተም ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ቋንቋታት፡ እንግሊዝኛ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሕብረተሰብን ምቁጽጻር ፖሊሲ ቋንቋን ዘለዎ ኣረኣእያ ተወሳኺ መብርሂ ክህብ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com