Friday , May 3 2024

ፊንላንድ፥ ኣብ 2024 ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ውሕስነት ስራሕ ዘለዎም ሻቕሎት ይውስኽ

ኣብ 2024 ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ብዛዕባ ኩነታት ስራሖም ዘለዎም ስክፍታ እናዓበየ ምምጽኡ፥ ብ ትካል “ማዕከን ክፉት ሽቕለት ኣልቦነት” ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። እቲ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደን ልዕሊ 3000 ኣባላት ዘሳተፈን መጽናዕቲ፡ ምስ ዓሚ ብምውድዳር ኣብ ስምዒት ሰራሕተኛታት ጭቡጥ ለውጢ ከም እተኸስተ ትዕዝብቱ ኣስፊሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፥ ንኹነታት ስራሖም ተስፋ ዘለዎ ክብሉ ዝገለጹ ካብቶም ነዚ ሕቶ ዝመለሱ እቶም 33% ጥራይ እዮም፡፡ እዚ ድማ ምስቶም ዓሚ (መስከረም 2023) ተመሳሳሊ ስምዒት ዝነበሮም (41% እንክወዳደር) ርኡይ ምንቊልቋል ኣርእዩ’ሎ። እቲ ዝያዳ ኣገራሚ ዝገብሮ ድማ፥ ቊጽሪ ናይቶም ብዛዕባ ኩነታት ስራሖም ዝሻቐሉ ሰባት ካብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝነበረ 19% ናብ 24% ምውሳኹ እዩ። ክሳብ ጥሪ 29% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ምንባሮምን፡ ካልኦት 14% ድማ ኣብ ቀረባ ስራሕ ኣልቦ ናይ ምዃን ሓደጋ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕቲ ኣጽሕዩ’ሎ። ነዚ ዘይምርግጋእ ኣበርክቶ ዝገብር ርኡይ ረቛሒ፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ዝተኸስተ ርኡይ ወሰኽ ካብ ሽቕለት ዝተፋነዉ ሰራሕተኛታት እዩ። ብብዝሒ ዝተራእየ ምፍናው ሰራሕተኛታት ን ኣመልከትቲ መልዕሎ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ 40% ክውስኽ ጌሩ እዩ። ኣብ መላእ ዓመት 2023 ካብቶም ኣብ እቶት ዝተመርኮሰ መልዕሎ ሽቕለት ኣልቦነት ዝረኽቡ 48.9% ካብ ስራሕ ዝተፋነዉ እዮም፡፡ እዚ ኣብ 2022 ኣስታት 33% ጥራይ እዩ ኔሩ። እዚ ድሕሪ ካብ ነሓሰ ክሳብ ታሕሳስ ዝቐጸለ፡ ከምኡ’ውን እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ኣሃዝ ምፍናው ሰራሕተኛታት፡ ንጹር መርኣዪ ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዕዳጋ ሽቕለት’ዩ ተባሂሉ’ሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምውሳኽ ምፍናው ሰራሕተኛታት ዘሎ ገለ ኣዎንታዊ ባእታ፡ እቲ ቀጻልነት ዘለዎ ምድና ስራሕ ኮይኑ፡ እዞም ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ናይ ምምላስ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ይሕብር። “ማዕከን ክፉት ሽቕለት ኣልቦነት” እውን ኣብ ክፍሊት መልዕሎ ሽቕለት ኣልቦነት ወሰኽ ከምዘርኣየ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2024፡ ኣብ እቶት ዝተመርኮሰ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት መልዕሎ ን 20,283 ኣመልከትቲ ተኸፊሉ እዩ፡፡ እዚ ድማ ካብቲ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 12,392 ኣመልከትቲ ጥራይ ሓገዝ ዝረኸቡሉ እዋን ብ 64% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ነዚ ኩነታት ምላሽ ብምሃብ፡ “ማዕከን ክፉት ሽቕለት ኣልቦነት” ኣብ ቦታታት ስራሕ ዝገብሮ መደብ ምሃብ ሓበሬታ፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሕስነት ሽቕለት ኣልቦነት ነቶም ካብ ስራሕ ዝስጎጉ ዘተኮረ ምደባት ብዓቢኡ ወሲኹ እዩ። ኣብዞም ኣውራጃታት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዋሕዚ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ወይ ስራሕ ዝሰኣነሉ እዋናት ክመጽእ ምዃኑ ዘመልክት ኮይኑ፡ ኣብቲ ማዕከን ዝመጽእ መጠን መመልከቲታት ክግለጽ ትጽቢት ይግበር። እዚ ሓበሬታ ንዕዳጋ ሽቕለት ፊንላንድ ናብ 2024 ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን ዘተሓሳስብ ስእሊ ዝህብ እዩ። በዚ ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዘይርጉጽነት የጋጥሞም፡ ብዛዕባ መልዕሎ ሽቕለት ኣልቦነትን ውሕስነት ሽቕለትን ዝምልከት ደገፍን ሓበሬታን ከኣ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ–ብመሰረት ጸብጻብ “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com