Thursday , May 2 2024

ፊንላንድ፥ ኩነታት ሽቕለት እናኸፍአ ይመጽእ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኲነታት ሽቕለት ፊንላንድ እናኸፍአ ምምጽኡ ተፈሊጡ። ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ትማል ሰሉስ ን ውጽኢት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ መጽናዕቲ ዓያዪ ሓይሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብ 15–74 ዝዕድሚኦም ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሰባት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብ3 1 ሽሕ ከምዝነከየን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣስታት 2,605,000 ከምዝበጽሐን ኣረጋጊጹ። ቁጽሪ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ጥቅምቲ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ብ27 ሽሕ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ4 ሽሕ ከምዝነከየ ኣጣሊሉ’ሎ። ኣብታ ሃገር ካብ 20–64 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት 77.4 % ኣብ ስራሕ ዘለዉ ኮይኖም፡ ካብ ዓሚ ብ 1.5% ምንካይ ኣርእዮም ኣለዉ። ኣብ መንጎ ጥቅምቲ 2022ን ጥቅምቲ 2023ን ቊጽሪ ሽቕለት ኣልቦ ሰባት ካብ 28 ሽሕ ናብ ኣስታት 190 ሽሕ ዓብዩ’ሎ። እዚ ይዂንምበር እቲ ዝኸፍአ ጒዳይ ሽቕለት ኣልቦነት ገና ብሕጂ ክመጽእ ምዃኑ ዋና ክኢላ ስነ-ቑጠባዊ ሱመን ይሪታጃት ጁሃና ብሮዘርስ ኣብ ኤክስ ኣጠንቂቓ’ላ። ኣብ ቤት ምኽሪ ንግዲ ፊንላንድ ዋና ክኢላ ስነ-ቑጠባዊ ጁካ ኣፐልክቪስት ብተመሳሳሊ፡ ህሉው ስታቲስቲክስ ኩነታት ሽቕለት እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር እኳ እንተኾነ ገና ፍጹም ኣዕናዊ ከምዘይኮነ ገምጋሙ ኣቐሚጡ’ሎ። ኲነታት ሽቕለት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ቀውዒ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ድሕሪ ምብጽሑ፡ በብቑሩብ ከምዝነከየ ምምጽኡ እውን ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ምንካይ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ውን ብርግጽ ክቕጽል ምዃኑዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com