Friday , May 3 2024

ፊንላንድ፥ ጽምዋ መንእሰያት ኣዘራራቢ ዛዕባ ይኸውን

FILE - In this Aug. 18, 2010, file photo, a victim of domestic violence, who calls herself, "Sierra" sits at a safe house in Nevada County, Calif. The dramatic decrease in domestic violence committed by intimate partners from 1995 through 2004 has largely stalled, with the numbers stabilizing at a level that appalls people in the prevention field. The latest federal figures for "serious" intimate partner violence, sexual assault or aggravated physical assault, showed 360,820 such incidents in 2013, or roughly 1,000 per day. (AP Photo/Rich Pedroncelli, File) / TT / kod 436

ጽምዋ ኣብ ኩሉ ክፋላት ማሕበረሰብ–ዲሞግራፊ– ስፍሕ ዝበለ ጉዳይ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ መንእሰያት ብፍላይ ተቓላዕቲ ይኾኑ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። ሓድሽ ዝተሓትመ “ዛንታታት ጽምዋ” ዘርእስቱ መምርሒ፡ ነዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታ ንምፍታሕ፡ መንእሰያት ዘጋጥሞም ብዛዕባ ዘሎ ጽምዋ ርድኢት ክዓቢን ዓሊሙ ዝተዳለወ እዩ ። ካብ ሓቀኛ ህይወት ተመኩሮታትን ስምዒታትን መንእሰያት ውልቀሰባት ዝተሰርሐት እዚ መምርሒ፡ ብዙሓት መንእሰያት ዘጋጥሞም ቃልስን ኣንጻር ጽምዋ ዝገብርዎ ስቕታዊ ውግእን ዝምስክር እዩ። ኣርቱ ዝተባህለ 17 ዝዕድሜኡ ኣብቲ መምርሒ ኣበርክቶ ዝገበረ ኮተቴ፡ ጽምዋ ሓድሓደ ግዜ ባዶነት ክስምዓካ ከም ዝገብር፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ቃዝኖት ከም ዝስምዓካ ይገልጽ። እዚ ስምዒታዊ ኣገላልጻ ፡ ንህይወት መንእሰያትን ዕምቆት ጽምዋን ዝገልጽ ኮይኑ፡ ውጽኢታዊ ፍታሕን ደገፍን ብህጹጽ ከምዘድሊ ዘጉልሕ እዩ። እዚ መምርሒ ዝዘርግሖ ሕትመት ድሕሪ እቲ ብሄልሲንኪሚሽን ዝተኻየደ መጽናዕቲ “ስኩል ቱ ቢሎንግ” ዝወጸ ኮይኑ፡ ዘሰክፍ ስታቲስቲክስ ኣቃሊዑ’ሎ። 14% ካብ ተማሃሮ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቀጻሊ ስምዒት ጽምዋ ከምዘለዎም፡ 42% ድማ ንብሕትውናኦም ንምልዋጥ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ኮይኑ ይስምዖም ይብል እቲ ሕትመት። ከምዚ ዓይነት ጽምዋ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምዃኑ ኣብ ክልቲኡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ዓቢ ሓደጋታት ስለዘስዕብ፡ እቲ ጉዳይ ኣብዚ ሎሚ ንመንእሰያት ዝጸሉ ዘሎ ሰፊሕ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ ወሳኒ ረቛሒ ይገብሮ ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣስሚሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com