Sunday , May 5 2024
Tyler-Casey-Unsplash-

ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግድ ብ 60% ነክዩ። 

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘለዋ ንግድ ብ 60% ምንካዩ በዓልመዚ ጒምሩኽ ፊንላንድ (Tulli) ገሊጹ። 

ካብ ካልኣይ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣትሒዙ ንግድክልቲኣተን ሃገራት ብናህሪ ክጎድል ምጽንሒ ቱሊ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ናብ ጒምሩኽ ኣታዊ ዝኾነ ናይ ሰደድ ጽሑፋዊ መፍለጢ (declarations) ብ 60% ኣንቋልቊሉ’ሎ። ሰሙናዊ ኣብ ወደባት ፊንላንድ ልዕሊ 20 መራኽብ ሩስያ የዕርፋ ከም ዝንበራ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ካልእይን ሳልሳይን ሳምንታት ወርሓ መጋቢት ግና 9 መራኽብ ጥራይ ምእታወን ቱሊ ኣመልኪቱ። ሓደ ካብዞም ዝዓበዩ ንግዳዊ ኣቕሑ ፍርያት ድፍድፍ ነዳዲ ሩስያ ኮይኑ ናብ ፊንላንድ ብባሕሪ ይመጽእ ምንባሩ ኖርወይ ቱደይ ኣዘኻኺሩ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com