Saturday , May 4 2024

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን እትገብሮ ሰደድ ብርኡይ መጠን የንቈልቊል

(AP Photo/David Goldman, file)

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን ክትገብሮ ዝጸንሐት ሰደድ ርኡይ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ እዚ ሰደድ ብ 68.9% ከምዘንቈልቈለ “ስታቲስቲክስ ኣህጉራዊ ንግድ” ዩሮስታት ይሕብር። ኣብ 2021 ፊንላንድ ብደረጃ ሕብረት ኣውሮጳ ናብዘን ዞባታት ዝነበራ ብጽሒት 3.9% እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ 2023 ግን እዚ ኣሃዝ ናብ 1.9% ወሪዱ እዩ። እዚ ምንቁልቋል፡ ኩባንያታት ፊንላንድ ናብ ምብራቕ ዝገብርኦ ሰደድ ካብቲ ማእከላይ ደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ኣዝዩ ምንካዩ ዘመልክት እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሩስያ ዝገብሮ ሰደድ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብ 50.9 ቢልዮን ዩሮ ክጎድል እንከሎ፡ ናብ ካዛኪስታን፡ ኪርጊስታን፡ ጆርጅያ፡ ኣርመንያ፡ ቱርክመኒስታንን ኡዝቤኪስታንን ዘጠቓለለ ሰደድ ማእከላይ ኤስያ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ 14.0 ቢልዮን ዩሮ ዓብዩ’ሎ። ዋላ’ኳ ብሓፈሻ ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ሩስያ ዝገብሮ ሰደድ ብ 57.0% ምንካይ እንተርኣየ፥ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ማለት ስሎቨንያ፡ ቡልጋርያ፡ ላቲቭያን ክሮኤሽያን ግን ናብ ክልቲኡ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን ሰደድ ከዕብያ ክኢለን ኣለዋ። ምስ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብምውድዳር ናብዘን ሃገራት ዘቕንዕ ሰደድ ፊንላንድ ሳልሳይ ዝዓበየ ምንቁልቋል ከምዘርኣየን፡ እዚ ድማ ንግዳዊ ልውውጥ ርኡይ ለውጢ ከምዘጋጠመን ዘጉልሕ እዩ። ዳይረክተር ስታቲስቲክስ ኦሊ-ፔካ ፔንቲላ፡ ብዓይኒ ስታቲስቲክስ ኣህጉራዊ ንግዲ፡ ኣብዚ እዋን ዚ ኩባንያታት ፊንላንድ ብጽርግያ ናብ ምብራቕ ሰደድ ምግባር ኣየድልያንዩ ክብል ተንቲኑ። ኣብ 2021፡ ሰደድ ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን 3.9 ቢልዮን ዩሮ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ናብ 2.5 ቢልዮን ዩሮ ወሪዱ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ 37.2% ዝንኪ እዩ። ክሳብ 2023 ሰደድ ብዝያዳ ናብ 1.2 ቢልዮን ዩሮ ምንቊልቋል ኣርእዩ፡፡ ካብ 2022 ብ 50.5% ካብ 2021 ድማ ብ 68.9% ነክዩ። እዚ ገዚፍ ምንካይ ሰደድ ፊንላንድ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ዝነበረ ሰደድ ሕብረት ኤውሮጳ እንክወዳደር ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ኩባንያታት ፊንላንድ ናብ ምብራቕ ዝገብራኦ ሰደድ ሓላፍነታዊ ምንካይ ብምግባረን ፔንቲላ ናእዳኡ ገሊጹ’ሎ። ስታቲስቲክስ ሰደድ ንመበቆል ሃገር ዘይሕብር ምስ ምዃኑ ኣብ መንጎ ኣሃዛት ኣእትዎትን ሰደድን ሃገራት ቀጥታዊ ንጽጽር ንምግባር ከጸግሞ ይኽእል እዩ ብመሰረት ጸብጻብ ሄልሲንኪ ታይምስ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com