Sunday , May 5 2024
Paul Wennerholm/TT

ፍቓድ ዕደና ሽወደን ተቓውሞ የጋጥሞ። 

መንግስቲ ሽወደን ካብ ጆክሞ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ካላክ ዝተባህለ ቦታ ዕደና ኣይረን ንኽካየድ ፍቓድ እኳ እንተሃበ እዚ ፕሮጀክት ስራሕ ንኽጅምር ተወሳኺ ፍቓድ ዝጠልብ ምዃኑ ተገሊጹ። ይዂን’ምበር እዚ ውሳነ ብጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ደቀባት ሰሜን ሽወደን ዝኾኑ ሳሚን ብርትዕ ዝበለ ተቓውሞ ኣጋጢሞዎ’ሎ። 

እዚ ፕሮጀክት ን ጥዕና ኣከባቢን መፍረ ሬይንዲርን ዝዕንቅፍ እዩ ብምባል እዮም እዞም ጒጅለታት ተቓውሞኦም ኣቕሪቦም ዘለዉ። ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ጆኮሞክ ሮበርት በርናርድሰን ግና እዚ ፕሮጀክት ን ኣማኢት ሰባት ዕድል ሽቕለት ዝፈጥር እዩ ብምባል ነዚ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢልዎ’ሎ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com