Sunday , May 5 2024

ፓስዎርድ ሽወደናውያን ብሃከራት ተቓሊዑ

Credit: Martina Holmberg / TT

ብዙሓት ሽወደናውያን ኣብ ኣገልግሎታት ኔትፍሊክስ፣ ስፖቲፋይን ፔይፓልን ዝጥቀሙሉ ኣስማትን ፓስዎርድን ብኢንተርነት ምዝራቚ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ቅድሚ ክልተ ሳምታት ኣብ ሕቡእ መርበብ ሓበሬታ ብምኽንያት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ምዝራቚ ፓስዎርድ ኣስታት 70 ሚልዮን ሕሳባትን ፓስዎርዶምን ቃልዕ ከም እተገብሩ ብብሕቱ ዝዓዪ ክኢላ ድሕነት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (ኣይቲ) ዴቪድ ያኮቢ ገሊጹ’ሎ። “ገበነኛታት ሳይበር ነዞም ሕሳባት ክረኽቡ ምኽኣሎም፡ ንገበናዊ ንጥፈታቶም ዓብዪ ምንጪ ኣታዊ እዩ ዝኸውን ዘሎ” ክብል ያኮቢ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com