Sunday , May 5 2024

ፔለ፡ ንክርስቲያኖ ሮናልዶ “እንቋዕ ሓጎሰካ” ክብል ሞጊሱ

ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ጆቬንቱስ ምስ ካልያሪ፡ ብዘመዝገበን ሰለስተ ሸቶታት (ሃትሪክ) ተሓጊዙ፡ ነቲ ብንጉስ ኲዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ፔሌ፡ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን፡ ብዝሒ ቊጽሪ ሸቶታት፡ ብምሕላፉ፡ ፔሌ፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ።

ሮናልዶ፡ ኣብ መጀመርያ እብረ ጸወታ፡ ኣብ ውሽጢ 32 ደቓይቕ፡ ሃትሪክ ብምስራሕ ኣብ መላእ ዕደመ ጸወታኡ ብጠቕላላ 770 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ። በዚ ድማ ነቲ ናይ ፔለ ተመዝጊቡ ዝጸንሐ 767 ሸቶታት ሓሊፍዎ ኣሎ።

ህይወት ከምታ በይንኻ እትገሸላ ነፋሪት እያ። ኩልና ነናይ በይንና ጒዕዞ ኢና ንገብር ዘሎና። ኣዝዩ ባህ ዘብል ጒዕዞ ኢኻ ትገብር ዘሎኻ። ብጣዕሚ እየ ዘድንቐካ፡ ጸወታኻ ምርኣይ ብጣዕሚ ከም ዘሐጒሰኒ ኲሉ ዝፈልጦ እዩ። ኣብ ወግዓዊ ጸወታታት ዝሓዝኲዎ ክብረ ወሰን ብምስባርካ ኣዝየ ሕጒስ እየ” ክብል ፔለ ናይ ኢንስታግራም መልእክቲ ሰዲዱ’ሎ።

እንተኾነ፡ ማሕበር ኲዕሶ እግሪ ቼክ፡ ነዚ ክብረ ወሰን ኣይተቐበሎን። ኣጥቃዓይ ኦስትርያን ቼኮስሎቫክያን ዝነበረ፡ ዮሴፍ ቢካን፡ 821 ሸቶታት ብምምዝጋብ ነዚ ክብረ ወሰን ሴርዎ እዩ ክብል ድማ ተኸራኺሩ ኣሎ። እንተኾነ ግና ካብ ፋውንዴሽን ስታቲስቲክስ ኲዕሶ እግሪ እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ዮሴፍ ቢካን 805 ሸቶታት ከም ዘመዝገበ እኳ እንተተፈልጠ እተን 27 ሸቶታት ኣብ ኣማተር ጋንታታት ክኾና እንከለዋ ካልኦት ድማ ወግዓዊ ኣብ ዘይኮነ ግጥማት እተመዝገባ እየን። ስለዚ ኣጠቓላሊ ወግዓዊ ሸቶታት ቢካን 759 እዩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ፔለን ሮናልዶን ዝወሓደ እዩ ክብል ነቲ ምጒት ኣዋዲቕዎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com