Sunday , May 5 2024
Foto: Filip Norman / TT / kod 10510

ፕረሲደንት ዩክሬይን ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓቲቱ።

ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮላድሚር ዘለንስኪ ዓለም ን ዩክክሬይን ንምድሓን ብዘይምንስቓሳ ወቒሱ።

“ሎሚ በይንና ሃገርና ንከላኸል ኣሎና፡ ጽባሕ ግና ናብ ኲልና እዩ” ክብል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝፈነዎ ቪድዮ ገሊጹ።፡

“በዚ ናይ ትማል እገዳታት ትዕገት ሩስያ ኣይክትህሉን እያ፡ ኣብ ኣየርን ምድሪን ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ወራር መጥቃዕቶም ደው ኣየበልዎን” ኢሉ።

ክልቲእተን ሃገራት ተዂሲ ደው ከብላ እውን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።

“ውዒሉ ሓዲሩ ሩስያ ብዛዕባ ምቊራጽ ተዂሲን ወራርን ምሳና ምዝታያ ኣይተርፋን እዩ፡ ብዙሕ ክሳራ ከይወረዳ እናሃለወ ናብዚ ክትመጽእ እየ ዝመኽራ,” ክብል ዘለንስኪ ኣገንዚቡ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com