Thursday , May 2 2024
(Vesa Moilanen/Lehtikuva via AP) TKTT812

ፕረሲደንት ፊንላንድ “ንፕረሲደንት ፑቲን ኣጸቢቐ እየ ዝፈልጦ፥ ንዩክሬይን እፈርሃላ ኣለኹ”።

ኣብ ጂኦፖለቲካ ምዕራባዊን ምብራቓዊን ዓለም ሰፊሕ ተመኲሮ ዘለዎ ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሎ ኒኒስቶ ኣብ ጒዳይ ቅልውላው ዩክሬይን ሰላም ክሰፍን እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘይብሉ ምግላጹ ጋዜጣ New York Times ጸብጺባ።

ምስ ፕረሲደንት ፑቲን ናይ ነዊሕ እዋን ፖለቲካዊ ተመኲሮ ከም ዘለዎ  ዝንገረሉ ኒኒስቶ ነቲ ብፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዘለዎ ኣድናቖት እኳ እንተገለጸ ምስ ፑቲን ካብ ዘለዎ ዕሙቕ ዝበለ ሌላ ተበጊሱ እዚ ጒዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘይብሉን ንዩክሬይን ከም ዝፈርሃላን እዩ ዝገልጽ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ፑቲን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ከም እተዘራረበን ን ፑቲን ንነገራት ብውዕዩን ብቐባጽን ስጒምቲ ምውዳእ ዝብል ሓሳባት ዝተጸናወቶ ኮይኑ ከም ዝረኸቦን ነታ ጋዜጣ ገሊጹ’ሎ።

ካብ ትዕዝብቱ ነገራት ብቐሊሉ ናብቲ ዝነበርዎ ክምለሱ እዮም ኢሉ ከም ዘይኣምን እቲ ፕረሲደንት ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com