Sunday , May 5 2024
Malawi's President Lazarus Chakwera (Yves Herman/Pool via AP) LBJ505

ፕረዚደንት ሃገረ ማላዊ፡ ብልሽወና ምኽንያት ብምግባር፡ ንመንግስቲ ኣፍሪስዎ

ፕረዚደንት ሃገረ ማላዊ፡ ላዛሩስ ቻክዌራ፡ ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዝጸንሐ መንግስቲ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ፡ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዘቖመ ተፈሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ፍጻሜ ድማ፡ ምስ ብልሽውናን ኣድልዎኣዊ ኣሰራርሓን ዝተሓሓዝ ከምዝኽዕነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ለውጢ ዝመጸ፡ ስልቀ ሰባት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሃይማኖታዊያን ኣካላትን ብሓባር፡ ነቲ ክስማዕ ዝቐነየ ብርክት ዝበለ ናይ ብልሽውና ሓሜታታት ኣመልኪቶም ነቲ ፕረዚደንት ናይ ካቢነ ለውጢ ንኽገበር ዝሓትት ጎስጓስ ድሕሪ ምክያዶም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ቻክዌራ፡ ነቶም 33 ዝኾኑ ሚኒስተራት ከምዘፋነወ ዝዝከር’ዩ።
ስለ ‘ቲ ትህቡዎ ኣገልግሎት ዝኾነ ይኹን ህያብ ኣይትቀበሉ፥ ወይ ድማ ንገለ ሰባት ካብ ካልኦት ኣብሊጽኩም ዝሓሸ ኣገልግሎት ናይቲ ተካይድዎ ጨንፈር ከምዝረኽቡ ኣይትግበሩ። “እዚ ብልሽውና እዩ”፡  ንኹሉ ብማዕረ ኣገልግልዎ ክብል እቲ ፕረዚደንት ነቲ ሓድሽ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ ዝቖመ መንግስቲ ኣተሓሳሲቡ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com