Friday , May 3 2024
European Parliament President David Sassoli (AP Photo/Geert Vanden Wijngaert, Pool, File) NYSB146

ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ፡ ደቪድ ሳሶሊ፡ ዓሪፉ

ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ፡ ደቪድ ሳሶሊ፡ ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድሜኡ ሎሚ ምሟቱ ኣፈኛኡ ገሊጹ።

ኢጣልያዊ ጋዜጠኛን ኣባል ማእከላይ ጸጋማዊ ሰልፊ ነበርን ደቪድ ሳሶሊ፡ ብሰንኪ ሕማም ንኽልተ ሳምንታት ዝኣክል ካብ ስራሕ ኣብኲሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ስርዓተ ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ኣመና ብምህሳዩ ንዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክከታተል ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ሆስፒታል ኣቪያኖ ከም ዝሞተ ኣፈኛኡ፡ ሮበርት ኲልዮ፡ ኣብ ትዊተር ገሊጹ’ሎ። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ሚስተር ሳሶሊ፡ ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ሕማም ኒሞንያ ክንክን ከም እተገብረሉ ዝፈለጥ ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዝከታተለዎ ሰባት እቲ ሕማም ከም ዝደገሶ ገሊጹ ምንባሩ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com