Thursday , May 2 2024

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ንልዝብ ግረባ ናብ ስቶክሆልም ኣትያ

Credit: Pontus Lundahl/TT

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፥ ንመዘናኡ ፊንላንዳዊ ፔተሪ ኦርፖን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ሎሚ ኣብ ስቶክሆልም ብምቕባል፥ ኣብ ኣግራብን ዘላቕነትን ኣገዳሲ ዝርርብ ክገብር እዩ። ሽወደንን ፊንላንድን ነቲ ኣባል ሃገራት “ብዝተኻእለ መጠን” ካብ ምትካል ሓደ ዓይነት ኣርእቲን እጸዋትን ከምኡ’ውን ካብ ላጻዪ ምቊራጽ ኣግራብ ክቑጠባ ኣለወን ንዝብል ክፋል ስትራተጂ ውጥን ምግራብ ሕብረት ኤውሮጳ 2030 ክቃወማ ጸኒሐን እየን። ንርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፥ ንመዘናኡ ፊንላንዳዊ ፔተሪ ኦርፖን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ብዝምልከት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስቶክሆልም ጋዜጣዊ መግለጺ ክካየድ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com