Saturday , May 4 2024

ፖለቲከኛታት ሽወደን ብምኽንያት ኣብ ኣመሪካ ንዝተኸስተ ናዕቢ ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ይህቡ።

ፖከቲከኛታት ሽወደን ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝበጽሐ ግፍዒን ሞትን ብሕብረት ኮኒኖም ኣለዉ። እንተኾነ ግና ሽወደን ብዛዕባ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓሌትነትን ጭካነ ፖሊስን ኣልዒላ ክትኲንን ኣለዋዶ የብላን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፊታት ባይቶ ብወገኖም ሽወደን ምስ ኣመሪካ ዝዳረግ ሽግር ዓሌትነት ኣለዋ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ዘትዮም ኣለዉ። ሬድዮ ሽወደን ናብ ሚንስተር ኣን ሊንድ ደዊላ ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ዘለዋ ርእይቶ ከተካፍላ ሓቲታታ ኣላ። ንሳ ብሰሉስ ኣብ ዝፈነወቶ መልእኽቲ ትዊተር ንዓሌትነት፥ ነዚ ኲነታት ዝጽብጽቡ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ፥ ራስያን ጭካነ ፖሊስን ከም እትዂንኖ ገሊጻ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com