Friday , May 3 2024

ፖሊስ ሽወደን ኣስታት 200 ጡርጡራት ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

ሃገራዊ ፖሊሲ ሽወደን ኣብዚ ልዕሊ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፡ ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ገበናት ብእኩብን ብንጽሉን እንዳ ተወደቡ ፡ ንጸታን ርግኣትን መነባብሮ መላእ ሽወደናውያን ቅሳነትን ምርግጋእን ከሊኦም ከም ዝጸንሑ ዝጥርጠሩ ኣስታት 200 ዝኾኑ ፡ ናይ ሕጊ ተጠርጠርቲ ኣብ ጥሕቲ ቁጽጽር ከም ዝውዓሉ ተገሊጹ። ብመሰረት እቲ ዜና ፡ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከካይዶ ዝጸንሐ ስርሒት ቴክኖሎጂ ተሓዊስዎ ፡ ገበናት ምስ ተገብሩ ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ንኽፍጸሙ ተወጢኖም ዝነበሩ ገበናት ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ከም ዝውዓሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ሓበሬታ ናይ ፖሊስ ከም ዘነጸሮ ፡ ድሕሪ እቲ ፖሊስ ሃገረ ፈረንሳ ፡ ገበነኛታት መልእኽቲ ዝለዋወጥሉ መስመር ድሕሪ ምጥላፎም ፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዘለው ሰብ መዚ ፖሊስ ፡ በቲ ዝተረኽበ ዕድል ብምጥቃም ኣብ ሽወደን እውን ፖሊስ ዕድል ስለ ዝረኸቡ ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ብዙሓት ንጥፈታት ከም ዝተገብሩ ተመልኪቱ ኣሎ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ሽወደን ገበንን ገበነኛታትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ኩሉ መዳያዊ ዘመተ ይግበር ከም ዘሎ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com