Saturday , May 4 2024
(John Thys, Pool Photo via AP) VLM255

ፖላንድ ሰደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ትዳሎ።

ፖላንድ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈናቐሉ ስደተኛታት ንምቕባል ድልውቲ ምህላዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ማቲውዝ ሞራዌኪ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

“ንዝመጸና ክንቅበል ተዳሊና ኣሎና” ክብል ሞራዌኪ ን ፈረንሳዊት ጋዜጣ ክዌስት ፍራንስ ከምኡውን ጀርመናዊት ጋዜጣ ፉንክ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ።

“ፖላንድ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምቕባል ተዳልያ’ላ” ኢሉ።

ብመሰረት ስምምዕ ዋርሶ ፖላንድ ሓሙስ ድሕሪ ዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዛጊት 110,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ተቐቢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com