Sunday , May 5 2024

1000 ሽወደናውያን ስነጥበባውያን እስራኤል ካብ ዩሮቪዥን ክትእገድ ይጽውዑ

Credit: JESSICA GOW / TT

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሽወደናውያን ስነጥበባውያንን ደረፍትን “ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ” ንእስራኤል ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝካየድ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ክትግለል ዝጽውዕ ደብዳበ ክታሞም ኣንቢሮም። እቲ መደብ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ማልሞ ዝመጽእ ግንቦት ክካየድ መደብ ተታሒዙ’ሎ። ኣቐዲሞም ኣብ ዩሮቪዥን ብምውድዳር ኦኣብዪ ዝና ዝረኸቡ ከም እኒ ኤሪክ ሳዓደን ማሌና ኤርንማንን ዝኣመሰሉ ሽወደናውያን ዝርከብዎም ስነ-ጥበባውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሩስያን ቤላሩስን ካብቲ ውድድር ክእለያ ጎስጓስ ምግባሮም ዝፍለጥ እዩ። ብተመሳሳሊ ዜና ኣስታት 300 ኖርወጃውያን ደረፍትን ሙዚቀኛታትን፥ እስራኤል ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ክትእገድ ዝጽውዕ ጥርዓን ምፍራሞም ተገሊጹ። እስራኤል ኣብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሽሕ ሲቪላት ምሟቶም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ፡፡ በዚ ድማ “ሕብረት ፈነወ ኤውሮጳ” (EBU) እስራኤል ነዚ ጃማላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ደው ንኸተብሎ ጸቕጢ ክገብር ይጽውዑ’ለዉ ። “ንሕና እዚ ክኸውን ጸቕቲ ኣብ ክንዲ እንገብር ኤን.ኣር.ኬ ባዕሉ ዝያዳ ሓላፍነት እንተዝወስድ ምመረጽኩ” ክትብል ሓንቲ ካብተን ነዚ ጥርዓን ዝጸውዓ ማርተ ቫለ፥ ንክፍሊ ዜና እቲ ፈነወ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ። ነቲ ጥርዓን ካብ ዝፈረሙ ኣማኢት ስነጥበባውያን ኣውሮራን ማሪ ቦይንን ይርከብዎም። ኤን.ኣር.ኬን ኢ.ቢ.ዩን ግና ዩሮቪዥን ኣብ ፖለቲካዊ ጒዳያት እንተዘይኣቱ ከም ዝመርጹ እዮም ዝገልጹ፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ጥርዓን፥ ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክሬን ምስ ወረረት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከብቲ ውድድር ክትእለ ተጌራ ምንባራ፥ እዚ ጒዳይ ከኣ ኣብ እስራኤል በጺሑ ክቕየር ከም ዘይክእል እቶም ስነጥበባውያን ሞጒቶም ኣለዉ። እዚ ድማ ንኢቢዩ ብ ገበን ድርብ መዐየሪታት ዘሕተቶ እዩ ይብል ቫለ። “እስራኤል መዓልታዊ ሓያሎ ኣማኢት ህጻናት ትቐትለሉ ኣብ ዘላትሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ዩሮቪዥን ናይ ዘተን ምስምማዕን መድረኽ’ዩ ምባል ዳእላ እዩ” ክትብል ንኤን.ኣር.ኬ ገሊጻ’ላ። ፊንላንድን ኣይስላንድን ዝርከብአን ሃገራት ኖርዲክ’ውን እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድሕሪ ምዕዋታ፥ ሽወደን ኣብ እተአንግዶ ናይ ሎም ዓመት ውድድር ዩሮቪዥን ከይትሳተፍ ጸቕጢ ይገብራ’ለዋ ብመሰረት ጸብጻብ “ኖርወይ ኒውዝ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com