Saturday , May 4 2024
Anti-animal cruelty legislation is being tightened Foto: Christine Olsson / TT / Kod 10430

12 መንእሰያት፡ ብምሕጻብ ገንዘብ፡ ገበነኛታት ተባሂሎም

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ኒሾፒንግ፡ 12 መንእሰያት፡ ካልኦት ገበነኛታት ንዝሰረቑዎ ገንዘብ ኣብ ምሕጻብ ሓጊዞም ብዝብል ተኸሲሶም፡ ገበነኛታት ከም ዝተባህሉ ተፈሉጡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ኩሉ ጉዳያት፡ እዞም ገበነኛታት፡ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ብምትላል፡ ናይ ባንክ  ኮዳት ብምውሳድ፡ ኣንጻር እዞም ሽማግለታት ዝተፈጸመ ገበን እዩ ክብል ሶርምላንድስ ኒሄተር ዝባሃል ጋዜጣ ኣፍሊጡ። እቲ መጠን ናይ ገንዘብ ብኣማኢት ኣሽሓት ክሮኖር ዝግመት ከም ዝኾነ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እቶም ተምየንቲ ነቶም መናእሰይ ድሕሪ ምርካቦም፡ ነቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ ናብ ኣካውንቶም ክሓልፍ ድሕሪ ምግባሮም ካብኡ ነቲ ገንዘብ መሊሶም ብካሽ ከም ዝተረከቡዎ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም መናእሰይ ገለ ካብቲ ዝተዘረፈ ገንዘብ ከምዝወሰዱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብ ክሊ 20’ታት እትርከብ ሓንቲ መንእሰይ፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቀሪባ፡ ሓደ ምስኣ ሌላ ዝነበሮ ሰብ ከም ዝረኸባን 15000 ክሮኖር ብስዊሽ ክትርከብ ፍቓደኛ እንተኾይናን ከም ዝሓተታን ኣብሪሃ። ከም መርኣያ ናይ ምስጋና ናይቲ ዝገበረቶ ምትሕግጋዝ ድማ 1500 ዶላር ከምዝተቐበለት’ውን ቃላ ከምዝሃበት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኩሎም እቶም ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ ሰባት፡ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣትው ተመጣጣኒ ዝኾነ መቕጻዕቲ ዝረኽቡሉ (suspended sentence) ፍርዲ ከም ዝተወሰነሎም ተፈሊጡ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com