Saturday , May 4 2024

ምስርሕ ምስግጋር ተጻወቲ፡ ክለብ ኤቨርተን

ኣብ ሓደ ሰሙን ን3 ተጻወቲ ከተፈርም ዝተራእየት ክለብ ኤቨርተን፡ ብብዙሓት ክለባት ክድለ ዝጸነሐ፡ ዓብዱላሂ ዴኮረ ካብ ክለብ ዋትፎርድ ብ 20 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘፈረመቶን፡ ቁጽሪ 16 ማልያ ከምዝወድን ወግዓዊ ጊራቶ’ላ። ኣቐድም ኣቢላ ክለብ ኤቨርተን፡ ንተጻዋታይ ክለብ ሪያል ማድሪድ ዝነበረ፡ ኻሜስ ሮድሪጌዝን (20 ሚልዮን ፖውንድ) ንተጻዋታይ ክለብ ናፖሊ፡ ኣላን፡ (21.7 ሚልዮን ፖውንድ) ከምዝዓደገት ይፍለጥ። ብተወሳኺ ክለብ ኤቨርተን ንተጻዋታይ ክለብ ቫለንሲያ፡ ማክሲ ጎሜዝ፡ ከተፈርም ሕቶ ከምዘቕረበትን ደገፍቲ ክለብ ኤቨርተን ድማ ሓጎሶም ኣብ ገጻት ትዊተር ይገልጹ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ብካርሎ ኣንችሎቲ ትእለ ዘላ ኤቨርተን፡ ዕዉት ዝኾነ ተጻወቲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ተካይድ ዘላ ክለብ ትመስል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com