Thursday , May 2 2024
A nurse administrates the Pfizer COVID-19 vaccine to Thibaut vaccination center in Versailles, west of Paris, (AP Photo/Constantin Gouvy) PAR101

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ንክኽተቡ ቆጸራ ሒዞም

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ሰኑይ መዓልቲ ጥራይ፡ ልዕሊ 900 ሽሕ ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ንክኽተቡ ኣብ ዶክቶሊብ ዝተባህለ ናይ ቆጸራ መትሓዚ መርበብ ከምዝተመዝገቡ እቲ መርበብ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ንጉዳይ እቶም ዘይተኸትቡ ፈረንሳውያን ኣመልኪቱ፡ ኣደዳ ቀይድታት ክኾኑ እዮም ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ዘጋጠመ ተርእዮ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ፈረንሳ፡ ብዝሒ ናይቶም ብሓድሽ ጅር ደልታ፡ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን፡ በንጻሩ ድማ ብዝሒ ናይቶም ክኽተቡ ዝደልዩ ሰባት እናወሓደ ምምጽኡ ኣሰካፊ ተርእዮ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ፡ ማክሮን፡ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ዜጋታት ፈረንሳ፡ ክታበት ኮቪድ ንኽወስዱ ግዱዳት እኳ እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ዝገሽሉ እዋን ይኹን ኣብ ቤት ምግብታትን ለይታዊ ትልሂታትን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ምስክር ወረቐት ኮቪድ፡  ክሕተቱ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ምስክር ወርቐት ኮቪድ፡ ሓደ ሰብ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝተኸትበ ምዃኑ ወይ ድማ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ዘርኢ እዩ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና ፈረንሳ፡ ክታበት ኮቪድ-19፡ ብግዴታ ክኽተቡ ምዃኖም፡ ፕረዚደንት ማክሮን ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com