Sunday , May 5 2024

8.5 ቢልዮን ክሮነር ንምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን

ምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን ሽወደን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዘውጽአኦ ወጻኢታት ንምሕዋይ፡ ብውሕስነት መንግስቲ፡ ካብ በዓል መዚ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን፡ ናይ 8.5 ቢልዮን ክሮነር ሓገዝ ክረኽባ ምዃነን ተገሊጹ።

እዚ ማለት ድማ፡ ኩለን ምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማታት ሽወደን፡ ንኹሉ ዘጽደቐኦ ወጻኢታተን፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘሕወያ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን፡ ተመራማሪት ዝኾነት ሊንዳ ኤልድስትራንድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ በዓል መዚ ገሊጻ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ በዓል መዚ፡ ክልተ ሲሳ ናይቲ ብመንግስቲ ዝተዋህበ ድጎማ (ሓገዝ)፡ እጃም ናይ ምምሕዳራት ኮይኑ፡ ንተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት፡ መከላኸልን ናውትን ናይ ስራሕ ቦታ ምጥዕዓምን ዝኣመሰሉ ወጻኢታት ንምሽፋን ተባሂሉ ዝወሃብ ሓገዝ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com