Saturday , May 18 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣብ ከባቢ ሞሮኮ፡ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ሰባት፡ ከይጠሓሉ ከምዘይተረፉ ይግመት

እታ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝጓዓዙላ ዝነበረሩ ጃልባ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ናይ ሞሮኮ ጣርፋያ ኣብ ዝባሃል ቦታ ብምጥሓላ እንተወሓደ 43 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝሰመጡ ተሓቢሩ። እዚ ዝተሓበረ ካሚናንዶ ፍሪንቴራስ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ናይ መንግስቲ ስጳኛ ትካል ሕጊታት ሓተትቲ ዑቕባ እዩ። ካብቶም ዝሞቱ 3 ህጻናት ከም ዝርከቡዎም’ውን ተፈሉጡ’ሎ። እታ ጃልባ፡ ናብ ደሴታት ካናሪ ተምርሕ ዝነበረት ኮይና፡ ካብ ጣርፋያ ኣብ 10 ማይል ርሕቀት ምስ በጽሐት …

Read More »

ኣፍረይቲ ስኑስ፡ ንጽሬት ኣከባቢ ተባሂሉ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ኣይክህሉን እዩ

ኣብ ጎደናታትን ኣደባባያትን ናይ ዝድርበ ስኑስ፡ ማለት ትንባኾ፡ ንምጽራይ ተባሂሉ፡ ኣፍረይቲ ስኑስ፡ ወጻኢታት ናይ ምስካም ሓላፍነት  ከም ዘይብሎም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ መርመራታት፡ ናይ ስኑስ መዐሸጊ፡ ናይ ፕላስቲክ ትሕዝቶ ስለዘይብሉ፡ ኣፍረይቱ፡ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ንክስከሙ ዘኸእል ኣይኮነን፡ ክብል ደምዲሙ፡፡ ብመሰረት ኤውርጳዊ ኮምሽን፡ ነዚ መምርሒ እዚ ዝሃቦ ትርጉም ብምምርኳስ ኢና ፕላስቲክ ከም ዘይኮነ ክንግምግም ኪልና ክብል …

Read More »

Harmony Media News 17/01/2022

Read More »

ፖርሼንኮ፡ ናብ ዩክሬይን ይምለስ

ፕረዚደንት ዩክሬይን ነበር፡ ፔትሮ ፖርሸንኮ፡ ብኽሕደት ሃገር ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ናብ ናይ ቀድም ገዝኡ ናብ ዩክሬይን ሎሚ ሰኑይ ክምለስ ትጽቢት ተገይሩ’ሎ። እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ነቲ ድሕሪኡ ስልጣን ዝሓዘ መራሒ ‘ኮነ ኢሉ ሽመይ ከጸልመኒ ይሰርሕ ኣሎ’ ክብል እዩ ዝወቅስ። “ኣነ ናብ ዩክሬይን ከይደ ስለ ዩክሬይን ክቃለስ እየ” ክብል ፖርሼንኮ ኣብ ዋርሶው ፖላንድ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ …

Read More »

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ሓኻይም፡ ኣንጻር ጎነጻት ፖሊስ፡ ተቛውሞ የስምዑ

ኣብ ካርቱም ዋና ከተማ ናይ ሱዳን ዝሰርሑ ሓኻይም ብሰንበት ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓኻይምን ናይ ሕክምና ኣካላትን ብፖሊስ ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ብምቅዋም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ተቓውሞ’ዚ፡ እቶም ደለይቲ ዲሞክራሲ ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ተቓውሞ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን፡ ነቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ሰላማውያን ሰባት ክሕክሙ ከለው ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓኻይም ንዝበጽሐ ማህሰይቲ ብምቅዋም …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ዝዝንብያ ድሮናት ነቲ ናይ ሓለዋ መስርሕ ከምዝጠሓሳ ተፈሊጡ

ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ክፋል ናይ ስቶክሆልም ዝተመዝገበ ናይ ድሮን ምንቅስቓስ ብፖሊስ ይምርመር ከምዘሎ ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ። እቶም ፖሊስ ንተተ ከምዝሓበሩዎ፡ እቲ ፍጻመ ኣንጻር እቲ ናይ ሓለዋ መስርሕ (Protection Act) ኮምኡ ድማ ኣቪየሽን መስርሕ (Aviation Act) ጥሒሱ እንድሕር ኮይኑ ክምርመር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሮሰንባድ፣ ሪክስዳግን እቲ ካስትል ተባሂሉ ዝፍለጥ ግምቢን ሓዊሱ ኣብ ከባቢ ምሕደራዊ ህንጻታት ናይ ስቶክሆልም …

Read More »

Harmony Media News Magazine 16/01/2022

Read More »

እቲ ገበነኛ ሰላይ፡ ይግባይ ይብል

ንመንግስቲ ሩስያ ወኪሉ ኣንጻር ሽወደን ብምስላል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ሰላይ፡ ናብ ላዕለዋይ ፍርዲ ቤት ይግባይ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ካብ ኩባንያ ስካኒያን ቮልቮን፡ ናይ ንግዲ ሚስጢራት ኣታሓላሊፍካ ብዝብል ክሲ፡ ብናይ ምዕራብ ሽወደን ቤት ፍርዲ ይግባይ (Court of Appeal) ን3 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈርደ። እቲ ገበነኛ ብወገኑ፡ እቲ ናይ …

Read More »

Harmony Media News 14/01/2022

Read More »

ልዕሊ 600 ሽሕ ዝኾኑ ቁጽሪታት (coordination numbers)፡ ከም ዝስረዙ ኮይኖም

ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሽወደን ንልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ coordination numbers ተባሂሎም ዝፍለጡ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብ መንግስቲ ሽወደን ዝተመዝገቡ ቁጽሪታት እንደገና ከምዝመርመረ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ውጽኢት ከምዘርእዮ ድማ፡ 612,566 ቁጽሪታት ኣገልግሎት ዘይብሎም ክኾኑ ከለው 357,487 ዝኾኑ ጥራሕ እቲ ግቡእ ኣገልግሎት ዝህቡ ከምዝተረኸቡ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ እዩ እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ግብሪ ልዕሊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com