Saturday , May 18 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ባይቶ ሽወደን፡ ንቀይድታት ለበዳ፡ ናብ ክልተ ኣዋርሕ ኣሕጺርዎ

መብዛሕትኦም ኣባላት ሽማግለ ባይቶ ሽወደን (Riksdag’s Social Committee) ነቲ ብመንግስቲ ሽወደን ዝቐረበ ንኣርባዕተ ወርሒ ዝጸንሕ ቀይድታት ለበዳ ብዝምልከት፡ ከምዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኽልተ ወርሒ እኹል እዩ ይብሉ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ሽማግለ፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ብዕሊ ኮቪድ-19 መስርሕ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ምንዋሕ እማመ ንምትግባርን ነቲ ግዜያዊ ናይ መልከፍቲ ምክልኻል ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምቲታት ብዝምልከት ንምትግባር ኣብ …

Read More »

ሊንደ: ብዛዕባ ናይ ኔቶ ዝርዝር ጠለባት ብዝምልከት: ተስፋታት ከምዘለዋ ትገልጽ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን: ኣን ሊንደ፡ ድሕሪ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ብዛዕባ ዝርዝር ጠለባት ሩስያ-ኔቶ ብዝምልከት ዝገበሩዎ ናይ መጀመርታ ክልተኣዊ ርክባት ምስ ዝተወሰነ ስክፍታ ዋላ እንተኾነ ‘ተስፋ ዝህብ’ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ። “ካልእ ይትረፍ፡ እቲ ዝነበረ ዝርርብ ዘይምቁራጹ ባዕሉ ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ።  ዝርርብ ንምቁራጽ: ከም ምኽንያት ምጥቃም ከም ኣማራጺ ኣይተወስደን” ክትብል ሊንደ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ህዝቢን ምክልኻልን ገሊጻ። እቲ …

Read More »

ሊባኖስ . . . ሓላፊ ማእከላይ ባንክ፡ እገዳ ጒዕዞ ተነቢርሉ

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሊባኖስ፡ ሪያድ ሳላመሕ፡ እገዳ ጒዕዞ ከም እተጻዕነ ተፈሊጡ። ጽቡቕ ኣብ ዝዓዪ ዝነበረ ቊጠባ ሊባኖስ፡ ብዙሕ ዝነኣድ ዝነበረ እዚ በዓልመዚ፡ ኣብዚ እዋን ብዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢን ሓዊስካ ብሓፈሻ ብዘይ ስነምግባራዊ ኣታሕዛ ገንዘብ ይኽሰስ ኣሎ። መርትዖታትና ኣኪብና ስለዘሎና ጽባሕ ሓሙስ ንመርመራ ክቐርብ እዩ፥ በዚ መርመራ ኣቢልና ከነጻርዮ እንደልዮ ጒዳያት ኣለዉ ክብል ንጒዳይ ሳመሕ …

Read More »

 ኣብያተ መግቢታት: ድሕሪ ሰዓት 11 ድ.ቐ. ክዕጸዋ እየን

ኣገልግሎት ንኽህቡ ዝተፈቕደሎም ቤት መግቢታት: እንተደንጎየ ሰዓት 11 ናይ ምሸት: ክዕጸው ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር: ማግዳሊና ኣንደርሶን:  ኣብ ዝተጋበአ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ሓደሽቲ መምርሒታት ክትግበሩ ምዃኖም ዝተፈለጠ ኮይኑ፡ እቶም ካብ ገዛ ኮይኖም ስርሖም ክሰርሑ ዝኽእሉ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ክጅምሩ እዮም ማለት’ዩ። ኣገልግሎት ንኽህቡ ፍቓድ ዘለዎም ቤት መግቢታት ሰዓት 11 ናይ ምሸት …

Read More »

ኣብ E4: ንሓደ በዓል መኪና ክሕግዝ ዝፈተነ ሰብኣይ: ንባዕሉ ተገጭዩ

ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ዓመት ዝርከብ ሰብኣይ: ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ቬርናሞን ዮንሾፒንግን ዝርከብ መንገዲ መስመር E4 ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ብመኪና ድሕሪ ምውቅዑ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደ ፖሊስ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ: ብቐዳም: ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕተሪ ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ካሊእ ቦታ ናይ ዝመጸ በዓል መኪና ንኽሕግዞ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን እዩ እቲ ሓደጋ …

Read More »

Harmony Media News 07/01/2022

Read More »

ግብጺ . . . ብሞት ባሳንት ኻልድ እተጠርጠሩ ክልተ ሰባት: ተታሒዞም

ሓንቲ ግብጻዊት መንእሰይ ብሰንኪ ብዲጂታላዊ ስእሊታት ዝመጻ ምፍርራህ: ነፍሰ ቕትለት ድሕሪ ምፍጻማ: ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። 17 ዓመት ዝዕድሜኣ: ባሳንት ኻልድ: ካብ ሓደ መንእሰይ ዝቐረበላ ናይ ፍቕሪ ሕቶ ብምንጻጋ ብዲጂታላዊ ኣገባብ እተሰንዐ ስእሊታት ብቐጻሊ ይስደደላ ምንባሩን በዚ ተበሳጭያ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻማን ሓብታ ን ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጻ’ላ። እዞም ስእሊታት: ብፍላይ ብመሓዙታ ምስ ተራእየ ብከኒና ንነብሳ መሪዛ ህይወታ …

Read More »

Harmony Media News 05/01/2022

Read More »

ሰራሕተኛ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ካብ ከተማ ስቶክሆልም ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ኤኬሮ (Ekerö) ኣብ ዝርከብ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትማሃር ዕሸል ቆልዓ ጾታዊ ምትንኻፋት ብምፍጻሙ ን 1.5 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መርመራ ናይ ፖሊስ ምስ ጀመረ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ስርሑ ክእለ ከም ዝተገብረን፡ ንሱ ግና ነቶም ክሲታት ከምዝነጸጎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። …

Read More »

ትራምፕን ክልተ ደቁን፡ ንምስክርነት ተጸዊዖም

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕን ጓሉ ኢቫንካ ትራምፕን ቦኽሪ ወዱ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየርን፡ ብምትላል ንዝጥርጠር ትካል ስድራቤት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዝግበር ዘሎ መርመራ ቀሪቦም ክምስክሩ መጸዋዕታ ከምዝበጽሖም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መጸዋዕታ፡ ብሓላፊት ክፍሊ ፍትሒ ኒው ዮርክ ዝኾነት፡ ሌቲሽያ ጀምስ፡ ከምዝተኣዘዘ ተፈሊጡ’ሎ። ዝርዝር ናይዚ ሓበሬታ ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡ ሰነዳት ዝተጻሕፉ ኮይኑ፡ ሌቲሽያ ጀምስ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com