Monday , April 29 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ E4: ንሓደ በዓል መኪና ክሕግዝ ዝፈተነ ሰብኣይ: ንባዕሉ ተገጭዩ

ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ዓመት ዝርከብ ሰብኣይ: ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ቬርናሞን ዮንሾፒንግን ዝርከብ መንገዲ መስመር E4 ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ብመኪና ድሕሪ ምውቅዑ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደ ፖሊስ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ: ብቐዳም: ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕተሪ ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ካሊእ ቦታ ናይ ዝመጸ በዓል መኪና ንኽሕግዞ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ። እቲ ካሊእ በዓል መኪና ናይ ሓጋይ ጎማ ዝተገጠማ መኪና ይዝውር ከምዝነበረ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ እታ መኪንኡ ካብቲ መንገዲ ወጻኢ እያ ነይራ። እቲ ሓጋዚ: ከመይ ኢሉ እቲ በዓል መኪና ካብ መንገዲ ወጽዩ ኣብ ጉድጓደ ከምዝኣተወ ንምርኣይን ክሕግዝ ብምሕሳብን ካብ መኪንኡ ወጽዩ ናብቲ ቦታ ክኸይድ ክብል ከሎ እዩ ብድሕሪኡ ብዝመጸት መኪና ክውቃዕ ክኢሉ። እቲ ሓደጋ ዘብጸሐ ዘዋሪ ፍሬኖ ክሕዝ እኳ እንተፈተነ ነታ መኪና ብኣጋ ደው ከብላ ዝገበሮ ጻዕሪ ግና ዕውት ኣይነበረን።

ድሕሪ’ዚ እምበኣር’ዩ እቲ ሰብ ክውቃዕ ዝኸኣለ” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ጆኒ ጉስታቭሶን ኣረዲኡ።

እቲ ክሕግዝ ሓሲቡ ዝነበረ ሰብኣይ ንባዕሉ ናብቲ ጉድጓድ ኣትዩ እዩ ተረኺቡ። እቶም ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ እቲ ሰብኣይ ምስ ውንኡ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ አእጋሩ ግና ቃንዛ ይስምዖ ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ናይቲ መጉዳእቲ ዕምቈት ክሳብ ክንደይ ከምዝኾነ ክፍለጥ ከምዘይተኸኣለ ፖሊስ ኣፍሊጡ’ሎ።

ዝኾነ ዓይነት ወንጀል ተፈጺሙ ይኸውን ዝብል ጥርጣራ ከምዘየለ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

“እቲ መንገድታት ኣዝዩ ምንሽርታት ዝበዝሖ እዩ። ኣገዳስነት ብዛዕባ ግቡእ ናይ ዝኾነ ርሕቀት ሓሊኻ ምዝዋር ክሳብ ክንደይ ኣድላይ ምዃኑ ክዘኻኽር ይደሊ። ምንሽርታት ኣብ ዝበዝሖም መንገድታት ንገብሮም ጥንቃቕታት ካብቲ ወትሩ ንላዕሊ ንገብሮም ክኾኑ ይግብኦም” ክብል ጉስታቭሶን ኣታሓሳሲቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com