Friday , May 17 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ድንግልና ንምርግጋጽ ዝውሰዱ ስጉምታት፡ ክምርመሩ እዮም

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር እቲ ብ “ምርግጋጽ ድንግልና” ዝፍለጥ መስርሕ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ክንክን ክገብረለን ሕቶ ከምዘቕረበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ጓል ኮነት ሰበይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰውነታ፡ ሂወታን ጾታዊ ስምዒታን ብገዛእ ርእሳ ክትውስን መሰል ኣለዋ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ሂወት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዝቆጻጸሩ ኣገባባት፡ ብፍጹም ቅቡላት ኣይኮኑን ክብል ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ኣብ …

Read More »

Harmony Media News 01/11/2021

Read More »

ፈረንሳ … ኣውስትራልያ ብዛዕባ ውዕል ሳብማሪናት ሓስያትና እያ: ይብል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ: ብዛዕባቲ ዝተሰረዘ ውዕል ሳብማሪናት: ናይ ሓሶት ሓበሬታ እዩ ሂቡና ክብል ፕረሲደንት ፈረንሳ: ኢማኑኤል ማክሮን: ኣቃሊዑ። ማክሮን: ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ: ኣመለኛ ሓሳዊ እዩ ማለት ድዩ? ንዝብል ሕቶ “ዝፈልጦ የብለን” ክብል መሊሱ’ሎ። ኣውስትራልያ: 12 ሳብማሮናት ንምህናጽ ምስ ፈረንሳ ዝኣተወቶ ናይ 37 ቢልዮን ዶላር ውዕል ሰሪዛ ምስ ኣመሪካ ሓድሽ ውዕል ምክልኻል ምኽታማ: ንማክሮን ኣቖጢዑ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ሞሪሰን ብወገኑ: ኣይሓሰኹን …

Read More »

ቴክሳስ፥ ንምንጻል ጥንሲ ዝምልከት ክትዓት: ይቕጽል 

ቤት ፍርዲ ቴክሳስ: ንሕጊ ጸረ ምንጻል ጥንሲ ዝምጒት ክትዓት ንኽልተ ሰዓታት ከአንግድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ቴክሳስ ጽንክር ዝበለ ጸረ ምንጻል ሕጊ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ። እቲ ጥንሲ ብጾታዊ ምድፋር ዝመጸ ወይውን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ብዝተፈጸመ ጾታዊ ርክብ ዝተኽስተ እውን እንተኾነ ሽዱሽተ ሳምንታት እንተሕሊፉ ምብርዓን ጥንሲ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ። ብዘይካዚ: ውልቀ ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ንዝህቡ ሰብሞያን ዶክተራትን ናይ ምኽሳስ መሰል ዝህብ …

Read More »

Harmony Media News Magazine 30/09/2021

Read More »

ኤኳዶር፥ ብሰንኪ ኣምባጓሮ እሱራት፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤኳዶር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻረርቲ ጒጅለታት፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኣምባጓሮ፡ ብውሕዱ 116 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ከምዚ ዝበለ ጎነጽ፡ ኣብ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ፡ ክንድዚ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ክሞቱ ግና፡ ፋልማዩ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዞም ጎነጽ ዝፈጸሙ እሱራት፡ ሊቶራል ካርቼሪ፡ ሃገረ ኤኳዶር ምስ ጒጅለ ምትሕልላፍ ዕጸ ፋርስ መክሲኮ ርክብ ከይሃለዎ ከም ዘይተርፍ …

Read More »

ሎቬን፡ ኣብ ዮተቦሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር፡ ንመላእ ሃገር ኣናዊጹ

ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ዮተቦሪ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ፡ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር፡ ንመላእ ሃገር ዘናወጸ ፍጻሜ እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን ገሊጽዎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ፡ ምኽንያት ናይቲ ምፍንጃር ዝተፈልጠ እኳ እንተዘይኮነ፡ ህዝቢ ግን፡ ጠንቁ ንምፍላጥ ተሃንጥዩ ከምዘሎ፡ ሎቬን፡ ዝርደኦ ምዃኑ ገሊጹ። ንግዳያት እቲ ሓደጋ፡ ንስድራ ቤቶምን ቀረብቶምን ኮታስ ንኹሎም በቲ ሓደጋ ዝተተንከፉ ሰባት፡ ናይ መጸናንዒ …

Read More »

ኣብ ክሬት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ 

ትማል ሰኑይ ቅድሚ ቀትሪ 5.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ግሪኽ ኣጋጢሙ። እዚ ሓደጋ ካብታ ዝዓበየት ደሴታዊት ከተማ ሄራክሊዮን ሒደት ማይላት ርሕቕ ኢሉ ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ’ሎ። በዚ ሓደጋ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ 9 ካልኦት ከም ዝቖሰሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ። ብፍላይ ከተማ ኣርካሎኮሪ በዚ ሓደጋ ኣመና ከም እተሃስየት፥ ህንጻ ቤተክርስትያን ፈሪሱ ኣብኡ ዝሰርሕ ሰብ ክመውት እንከሎ 9 ካልኦት ከም …

Read More »

ኣብ ኣውቶቡሳት፡ ብቀዳማይ ማዕጾ ምእታው ክፍቀድ እዩ

ካብ ዕለት 29 መስከረም ጀሚሩ፡ ብቐዳማይ ማዕጾ ናይ ኣውቶቡሳት ምእታው  ዝኽልክሉ ዝነበሩ ቀይድታት (መምርሒታት)፡ ክለዓሉ ምዃኖም፡ በዓል መዚ ናይ ስራሕ ኣከባቢ (ሃዋሁ) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብቲ ዕለት ጀሚሩ፡ ኩሎም ናይ ኮቪድ መምርሒታት፡ ክለዓሉ ምዃኖም መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። መምርሒታት ኮቪድ ስለዝተላዕሉ፡ ህላውነት ሕማም ኮቪድ-19 ኣብቂዑ ማለት ስለዘይኮነ፡ እቲ ኣብ መንጎ መራሒ መኪናን ናብ ኣውቶቡስ ዝኣትዉ ሰባት …

Read More »

ምርጫ ጀርመን፥ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ: ብጸቢብ ተዓዊቱ 

ኣብ ጀርመን: ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ: ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ነቲ ብኣንገላ መርከል ዝምራሕ ሰልፊ ብጸቢብ ከም ዝሰዓሮ ባይቶ እታ ሃገር ገሊጹ። በዚ ድማ መራሒ ናይቲ ሰልፊ: ኦላፍ ሾልዝ: መንግስቲ ከቕውም መዝነት እኳ እንተለዎ ካብ መቐናቕንቱ ኣርሚን ላሼት ሓያል ቃልሲ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። እዞም ክልተ ሰልፊታት: ንዓመታት ብሓባር መንግስቲ ብምቋም ክመርሑ እኳ እንተጸንሑ: ክቕጽሉ እዮም ኢልካ ከም ዘይሕሰብ ተመልኪቱ። ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com