Tuesday , May 21 2024

ካብዝን ካብትን

ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ: ድሕሪ 44 ዓመታት: መኽሰብ ረኺበ ይብል 

መንግስታዊ ኲባንያ ነዳዲ ናይጀርያ: ኣብ ናይ 44 ዓመታት ታሪኹ: ንመጀመርታ ግዜኡ መኽሰብ ከም ዝረኸበ መንግስቲ ኣፍሊጡ። እዚ ዓወት ብውሕሉል ኣታሕዛ መንግስቲ ዝተረኽበ እዩ ክብል ላዕለዋይ ሚኒስተር ነዳዲ ፕረዚደንት: መሓመድ ቡሃሪ: ገሊጹ’ሎ። ኣብ 2020: መኽሰብ ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ ናይጀርያ (NNPC) 700 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ምንባሩ ይፍለጥ። ቅድሚኡ ኣብ ዝነበራ ዓመታት ዓበይቲ ክሳራታት የጋጥሞ ምንባሩ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ዓሚ ኣብ ዓለምና …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ማሊ ነበር: ብብልሽውና ተኸሲሱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ማሊ ነበር: ሞቢዬ ማይጋ: ቅድሚ ሽወዓተ ዓመት ምስ ዝሽመታ ናይ ፕረዚደንት ነፋሪት ብዝተተሓሓዘ ክሲ ብልሽውና ቀሪብሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እዚ ትማሊ: ዝተፈጸመ ምቅያድ ሞቢዬ: ከምቲ መንግስቲ ዝብሎ ንጹር ከም ዘይኮነ ጠበቓኡ: ቃስም ታፖ: ሓቢሩ’ሎ። እታ ዝተሸመተት ነፋሪት ካብ ዋግኣ ንላዕሊ ከም እተገዝአት ብምምሳል ገንዘብ መንግስቲ በሊዕካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ከም ዘሎ እዩ ኣኽባር ሕጊ ዝገልጽ። ኣብ 2014: እዛ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ 74 ቢልዮን ክሮነር፡ ከውፍር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ

መንግስቲ ሽወድን፡ ንተሃድሶን ወፍርን ዝውዕል፡ ናይ 74 ቢልዮን ክሮነር ባጀት፡ ከቕርብ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳለና ኣንደርሾን ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ባጀት’ዚ፡ ንሽወደን፡ ካብቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ኣውጺኡ ናብ ቅድሚት ዝወስድ ክኸውን እዩ። ብሰንኪ ዝተገብረ ናይ ዕጽዋ ጌጋታት ስዒቡ ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ካልኣይ ግዜ ክንደግሞ የብልናን ክትብል፡ ማግዳለና፡ ወሲኻ ገሊጻ። መንግስቲ ሽወደን፡ ንናይ እዚ ዓመት መጠን ዕቤት …

Read More »

ሃለንግረን፡ “ሰላምታኹም፡ ምዉቕ ነይሩ”

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ናይ ጡብ መንሽሮ ከምዘለዋን ሕክምና ክትጅምር ምዃናን ገሊጻ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ እቲ ሽዱሽተ ግዜ ዝካየድ ኪሞተራፒ ማለት፡ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ሕክምና፡ ከም ዝዛዘመት ኣብ ውልቃዊ ሒሳብ ኢንስተግራም ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቀዳማይ መድረኽ ሕክምና ዛዚመ ናብቲ ኣርባዕተ ሰሙን ዝወስድ ናይ ጨረርታ (radiation) ሕክምና፡ ማለት፡ …

Read More »

ሩስያ: ካብ ኣፍጋኒስታን: ሰባት ተውጽእ

ሩስያ: ዛጊት 500 ዝኾኑ ዜጋታት ቤላሩስ: ኪርጊስታን: ታጂኪስታን: ኡዝበኪስታን: ዩክሬንን ሩስያን ካብታ ብጣሊባን ተታሒዛ ዘላ ኣፍጋኒስታን ኣውጺኣ ምህላዋ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ: ንቪላድሚር ፑቲን ብምውካል: እዩ ነዚ ምግዓዝ ሰባት ዝፍጽም ዘሎ ክብል: ኢንተርፋክስ ኒውዝ ኤጀንሲ: ኣመልኪቱ። እዚ ምግዕዓዝ ሰባት: ብዓበይቲ ነፈርቲ ውግእ ዝፍጸም ኮይኑ: ኣብ ውሽጡ ድማ ማይ ዝብላዕን ኮቦርታን ከም ዝርከብ ተፈሊጡ። ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታት ሩስያ: ፍሉይ …

Read More »

ዒራቕ: ምስ ጥንታውያን ጸላእታ: ሰላም ክህልዋ ትደሊ 

ሃገራት ወሽመጥን ኢራንን ዘለወን ወጥሪ ብምፍኳስ ኣብቲ ዞባ ሕውነታዊ ዝምድና ክፍጠረሉ ዝኽእል ኩነታት ንምስፋን: ኣብ ባቕዳድ ንኽጋብኣ ዒራቕ ጻውዒት ጌራ። ኲናት የመን: ምፍራስ መንግስቲ ሊባኖስ ከምኡውን ቅልውላው ማይ እቲ ዞባ ኣብቲ ኣጀንዳ ክለዓሉ እዮም። ኣብዚ ጒባኤ: ናይ ጥንቲ ጸላእቲ ምዃነን ዝንገረለን ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ክዛተያ ምዃነን ምንጪታት ዒራቕ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ 2019: ኣብ መደበራት ነዳዲ ዘይቲ ስዑዲ ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ: …

Read More »

ኣመሪካ: ንምንጪ ኮቪድ ክትረክብ ኣይከኣለትን። 

ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ዝመዘዛ ሽማግለ: ንመበቆል ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምምርማር ኣብ ዝወጽኣቶ መግለጺ “ዛጊት ንፈልጦ የብልናን” ክትብል ምድምዳማ መራኸቢ ብዙሃን ዋሺንግተን ሓቢረን። SARS-COV-2 ዝተባህለ ቫይረስ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ብኸመይ ክሰግር ክኢሉ ዝብል መጽናዕታዊ መሰረት ዘለዋ ሽማግለ: ብፕረዚደንት ባይደን ቆይማ: ምርምር ከተካይድ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብታ እዚ ሕማም ፈለማ እትራእየላ ዊሃን (ቻይና) ነዚ መርመራ ክገብር …

Read More »

ዓለማዊ ባንክ ንኣፍጋኒስታን ዝህቦ ዝነበረ ረድኢት ኣቋሪጹ። 

ጣሊባን: ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም: ዓለማዊ ባንክ: ነታ ሃገር ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዛት ምብታኹ ገሊጹ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲነታት ብፍላይ ድማ ኣታሕዛ ደቀንስትዮ ከም ዘሻቕሎ እቲ ውድብ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ፕሮጀክቲታትና ምኽፋል ኣቋሪጽናዮ ኢና። ነቲ ኲነታት ከኣ ብቐረባ ምክትታልን ምዕዛብን ክንቅጽሎ ኢና” ክብል ኣፈኛ ዓለማዊ ባንክ ን AFP ገሊጹ’ሎ። ዓለማዊ ባንክ: ኲሎም ኣባላቱ ካብ ኣፍጋኒስታን ክሳብ ዝወጹ ድሕሪ ምጽባይ እዩ ነዚ …

Read More »

ናይ ቀደም ውልቀ መላኺ ሃገረ ቻድ፡ ዓሪፉ

 ንሃገረ ቻድ ብተረርቲ ኣእዳው ዝመርሐ ውልቀ መላኺ፡ ሑሴን ሃብሬ፡ ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከምዝሞተ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብዝፈጸሞ ገበን፡ ገበን ኲናትን ካልእን ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። 79 ዓመት ዝዕድሜኡ ሃብሬ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ዘምጽኣሉ ምትሕላላኽ ጥዕና፡ ምሟቱ ዜናታት ውሽጢ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ። ሑሴን ሃብሬ፡ ኣብታ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ …

Read More »

ማግደሊና ኣንደርሸን፡ ንሕቶ መሪሕነት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢባ ኣላ

ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ድሕሪ ስቴፋን ሎቬን፡ ንሳ መሪሕነት ሰልፊ ንኽትርከብ ንዝብል ሓሳብ መልሲ ከምዘይሃበትሉ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ከም መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኮይና ንስቴፋን ሎቪን ንኽትትክእ ዝተሮቕሐት ማግዳሌና፡ ሕራይ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ክሳብ ሕጂ ከምዘይሃበት ጸብጻባት ይሕብሩ። ትማሊ ሰንበት፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ካብ መዝነቱ ክእለ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ንኽሮቕሑ ዘኽእሎም መስርሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com