Tuesday , April 30 2024
How did the coronavirus spread? The question marks remain. File photo on the Yangtze River in Wuhan, China.(Chinatopix Via AP) XHG802

ኣመሪካ: ንምንጪ ኮቪድ ክትረክብ ኣይከኣለትን። 

ፕረዚደንት ኣመሪካ: ጆ ባይደን: ዝመዘዛ ሽማግለ: ንመበቆል ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምምርማር ኣብ ዝወጽኣቶ መግለጺ “ዛጊት ንፈልጦ የብልናን” ክትብል ምድምዳማ መራኸቢ ብዙሃን ዋሺንግተን ሓቢረን።

SARS-COV-2 ዝተባህለ ቫይረስ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ብኸመይ ክሰግር ክኢሉ ዝብል መጽናዕታዊ መሰረት ዘለዋ ሽማግለ: ብፕረዚደንት ባይደን ቆይማ: ምርምር ከተካይድ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብታ እዚ ሕማም ፈለማ እትራእየላ ዊሃን (ቻይና) ነዚ መርመራ ክገብር እኳ እንተፈተነ: ሽግራት ምስ ኣጋጠሞ:  እዛ ሽማግለ ብውልቃ ስርሓ ምጅማራ ተቓሊዑ።

እቲ ናይ ፈለማ ክልሰ ሓሳብ: እዚ ቫይረስ ካብ መንካዕ ናብ ካልኦት እንስሳታት ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ሰባት ምስጋሩ ክገልጽ እንከሎ: ገሊኦም ድማ ካብ ላባራቶሪ ቻይና እዩ ሞሊቑ ክብል ክካትዑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ስቕታ ቻይና ኣብዚ ጒዳይ ሽግር ኮይኑ ኣሎ ክብል ጻብጻብ Wall Street Journal ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com