Friday , May 3 2024

ካብዝን ካብትን

ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ኮይና ተመሪጻ

ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ወ/ሮ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደንን መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትናን ዝኾነ፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ተኪኣ፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኮይና ከም ተመርጸት ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሰልፍታት፡ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኪ መልእኽታት ክሰዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ንምምራጻ፡ ብኣወንታ ኣይረኣይዎን። እንቋዕ ሓጎሰኪ ማግዳሌና፡ እንቋዕ ናብ ዓንኬል መራሕቲ ሰልፍታት ተጸምበርኪ። ኣብ መኣዲ ፖለቲካ ሽወደን፡ ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና፡ ንዘራረበሉ፡ ንእከበሉን …

Read More »

ፌይስቡክ: ንመልእኽቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ: ካብ ገጻቱ ኣወጊዱ 

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵይ: ኣብይ ኣሕመድ: ንኣንጻር ጎነጽ ዝኾነ መትከል ፌይስቡክ ዝጻረር ኮይኑ ስለ እተረኽበ: ካብ ገጻቱ ክእለ ከም ዝገብረ ገሊጹ። ኣብይ ኣሕመድ: ብሰንበት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ: ዜጋታት ኢትዮጵያ: ንተጻብኦ  ነቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ህወሓት ክቐብሩ ጻውዒት ጌሩ ኔሩ። ንሱ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ እዞም ዕጡቓት ሓይሊታት ንኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ይመርሕዋ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጽ ኲሉ ዜጋ ብዂሉ ሕጋዊ …

Read More »

ኢራን: ንውዕል ኑክሌር: ኣብ ዝስዕብ ሳምንታት ክትቕጽሎ እያ 

ኣብ 2015: ኣብ መንጐ ኢራንን ሽዱሽተ ሃገራትን ንዝተኸተመ ውዕል ኑክሌር ንምብርባር ዝዓለመ ዘተ: ኣብዚ ወርሒ ክበራበር እዩ ተባሂሉ። መንግስቲ ኢራን: ኣብ 29 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ቪዬና ክራኸብ ድሉው ምህላዉ ዋና ተዛታዪ: ዓሊ ባቐሪ ካኒ: ገሊጹ’ሎ። ኣኽራሪ መርገጺ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ኢራን ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ ዕለት ኣትሒዙ: እዞም ዘተ ደው ኢሎም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ዶናልድ …

Read More »

190 ሃገራትን ውድባትን: ከሰል ከይጥቀማ ይመባጸዓ

ኣብ ዓለምና ከሰል ብብዝሒ ካብ ዝጥቀማ ሃገራት ዝኾና ፖላንድ፥ ቬትናምን ቺለን ሓዊስካ 190 ሃገራትን ውድባትን ነዚ ኣገባብ ክሓድጋ ከም እተመባጸዓ ዋዕላ COP26 ዘአንግድ ዘሎ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። እዘን ሃገራት ኣብ ከሰል ዝገብራኦ ሃገራዊን ኣህጒራዊን ወፍሪ ከቋርጻ ቃል ኣትየን ኣለዋ። “ዓለምና ንጒዳይ ከሰል ዓጽያ ብጽሩይ ጸዓት ዝዝወር ቊጠባዊ ረብሓ ኣብ ምንዳይ ምትኳራ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ትኸይድ ምህላዋ ዘርኢ እዩ” ክብል ጸሓፊ …

Read More »

ጎረባብቲ ሃገራት ሰሜን ኮርያ፡ እገዳ ክለዓል ይጽዋዓ

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝጸዓኖ እገዳታት ከልዕል: ጎረባብቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾና ሩስያን ቻይናን ጻውዒት ክገብራ እየን። ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ካብ ዝተስገደዱ ብፍላይ ምሽማት ዓለባ: ፍርያት ባሕሪ ከምኡውን ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይሰርሑን ደሞዞም ናብ ዓዶም ከይልእኩን ዝድንግግ እገዳታት ክለዓሉ ዝሓትት እማመ: ቻይናን ሩስያን ከቕርባ እየን። እዚ እማመ ካብ ዘቕርቦ ምኽንያታት: ብሰንኪ እቲ እገዳታት …

Read More »

ድንግልና ንምርግጋጽ ዝውሰዱ ስጉምታት፡ ክምርመሩ እዮም

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣንጻር እቲ ብ “ምርግጋጽ ድንግልና” ዝፍለጥ መስርሕ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ክንክን ክገብረለን ሕቶ ከምዘቕረበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ጓል ኮነት ሰበይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰውነታ፡ ሂወታን ጾታዊ ስምዒታን ብገዛእ ርእሳ ክትውስን መሰል ኣለዋ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ ሂወት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዝቆጻጸሩ ኣገባባት፡ ብፍጹም ቅቡላት ኣይኮኑን ክብል ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ኣብ …

Read More »

ንሓደ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ፍርያት ፕላስቲክ፡ ብሕጊ ዝተኸልከሉ ክኾኑ እዮም

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጸደቐ ንጉዳይ ንሓደ እዋን ዘገልግሉ ናይ ፕላስቲክ ፍርያት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ብምውሳን፡ ንብዝሒ ናይዞም ከምዚ ዓይነት ፍርያት ክድርትን ከውሕድን ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መግቢ ዝገዝኡ ሰባት፡ ከም መትሓዚ፡ ኣብ ክንዲ ነዞም ናይ ፕላስቲክ ፍርያት ዝወሃቡ፡ ካልእ ዓይነት መተካእታ ክወሃቦም እዩ። እቶም ከምዚኣቶም ዝኣመስሉ ፕላስቲክ ዝጉሕፉ ሰባት፡ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣታዊ ዝኸውን፡ …

Read More »

90 ሃገራት፡ መጠን ምፍናው ሚቴይን ጋዝ፡ ከጒድላ ቃል ይኣትዋ

90 ዝኾና ሃገራት ዓለምና፡ ነቲ ኣብ ምልዋጥ ክሊማን ዋዒን ዓለምና ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ዝበለኦ ምፍናው ሚቴይን ዝተባህለ ዓይነት ጋዝ፡ ከጒድላ ተሰማሚዐን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክሳብ ዓመተ 2031 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መጠን ምፍናው ሚቴይን ጋዝ፡ ብ 30% ንምጒዳል መደብ ተታሒዙ ምህላዉን፡ እዚ ብመሪሕነት ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝድፋኣሉ ከም ዘሎን ሓደ ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣመልኪቱ። ምስ ካርቦን ዳዮክሳይድ ብምውድዳር፡ …

Read More »

ኢትዮጵያ፡ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣዊጃ

ሰራዊት ትግራይ ንስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ድሕሪ ምቊጽጻሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ እጹጽ እዋን ሓደጋ ምእዋጁ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰራዊት ትግራይ፡ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምቊጽጻር ሓሳብ ከም ዘለዎ ንጹር እዩ ክብሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነንይ መራኽቢ ብዙሃን ይገልጹ ኣለዉ። እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ፡ ንሲቪላውያን ካብቲ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት እታ ሃገር ኣስፋፊሑ ዘሎ ግብረሽበራዊ ተግባራት ህወሓት፡ ንምክልኻል ክሕግዝ …

Read More »

ናይ ስራሕ ሃዋሁ ንምምሕያሽ፡ ሚልዮናት ኩሩነር ወሰኽ ተገይሩ

ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ጽላት ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝውዕል፡ ናይ ጽገና ሓገዝ ዝብል መጸውዒ ስም ዝሃቦ መደብ፡ ከተኣታቱ ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። በዚ መሰረት ድማ፡ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ እተን ብመንግስቲ ዝተዋህባ 249 ሚልዮን ክሮነር፡ ብኸመይ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ከምዝባጻሕ ክሰርሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 190 ካብተን 290 ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ 192.8 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com