Friday , May 10 2024
Protesters hold a banner against mining coking coal in the West Cumbria area of northern England, as they stand near the Scottish Event Campus, the venue for the COP26 U.N. Climate Summit in Glasgow, Scotland, Tuesday, Nov. 2, 2021. The U.N. climate summit in Glasgow gathers leaders from around the world, in Scotland's biggest city, to lay out their vision for addressing the common challenge of global warming. (AP Photo/Scott Heppell) LMD123

190 ሃገራትን ውድባትን: ከሰል ከይጥቀማ ይመባጸዓ

ኣብ ዓለምና ከሰል ብብዝሒ ካብ ዝጥቀማ ሃገራት ዝኾና ፖላንድ፥ ቬትናምን ቺለን ሓዊስካ 190 ሃገራትን ውድባትን ነዚ ኣገባብ ክሓድጋ ከም እተመባጸዓ ዋዕላ COP26 ዘአንግድ ዘሎ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። እዘን ሃገራት ኣብ ከሰል ዝገብራኦ ሃገራዊን ኣህጒራዊን ወፍሪ ከቋርጻ ቃል ኣትየን ኣለዋ።

“ዓለምና ንጒዳይ ከሰል ዓጽያ ብጽሩይ ጸዓት ዝዝወር ቊጠባዊ ረብሓ ኣብ ምንዳይ ምትኳራ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ትኸይድ ምህላዋ ዘርኢ እዩ” ክብል ጸሓፊ ቊጠባን ጸዓትን ብሪጣንያ: ክዋሲ ክዋርቴንግ: ገሊጹ’ሎ።

እንተኾነ ግና ከምኒ ኣመሪካ፥ ህንዲ፥ ቻይናን ኣውስትራልያን ዝበላ ገዚፍ መጠን ከሰል ዝጥቀማ ሃገራት ነቲ ውዕል ከም ዘይከተማ ቢቢሲ ሓቢራ’ላ።

ክሰል ቀንዲ ጠንቂ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com