Tuesday , April 30 2024

ካብዝን ካብትን

ክብርቲ ፊዛርሞኒካ (accordion)፡ ካብ ቤት-ክርስትያን ተሰሪቓ

ሓንቲ ክሳብ 170,000 ሽሕ ክሮነር ሽወደን ዝበጽሕ ዋጋኣ ፊዛርሞኒካ፡ ካብ ቤተ -ክሪስትያን ኦቨርካሊክስ (Överkalix) ከም ዝጠፍአት ኤንኤስዲ (NSD) ጺሒፉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዛ ብፉሉይ ጠለብ ዝመጽአት መስርሒት፡ ዝሓለፈ ሰንበት ‘ያ ሃንደበት ካብቲ ዝነበርቶ ቦታ ተኣልያ ጸኒሓ። እቲ ናይ ስርቂ ኣጋጣሚ ፍጻሜ፡ ናብ ፖሊስ ክሕበር ከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዘለው ጉጅለ ናይ ፊዛርሞኒካ ሙዚቀኛታት ‘ውን እቲ ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ተገሊጹ። …

Read More »

800 ዓመት ዝዕድሚኡ ዓስኬሬን ኣብ ፔሩ ተረኺቡ

ኣብ ሃገረ ፔሩ ኣብ ዝተገብረ ኩዕታ፡ ሓደ 800 ዓመት ዝገበረ ዓስኬሬን (mummy) ከም ዝተረኽበን፡ ኣብ ግዜ ሂወቱ፡ እቲ ሰብ ኣብ ፔሩ ዝርከቡ እምባታት ኣንደስ ይነብር ከምዝነበረ ይጥርጠር ክብል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ፡ ፒተር ቫን ዳለን ሉና፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብካርቦን-14 ዝፍለጥ ኣገባብ መርመራ፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ዕለት ከፍልጠና ክኽእል እዩ ክብል፡ ፒተር፡ ገሊጹ። እቲ ዓስከሬን፡ ካብ ርእሲ ከተማ ፔሩ፡ …

Read More »

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ … ሽወደናውያን ካብ ኢትዮጲያ ንኽወጹ ተማሕጺኑ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ መጸዋዕትኡ ቐጺሉ። ኣማኢት ሽወደናውያን፡ ኣብታ ሃገር ተሪፎም ከምዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ግጭት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ብምውሳኽ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ካብ ኢትዮጲያ ዝብገሳ ናይ ንግዲ በረራታት፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘለዋን፡ ግን ከኣ ካብታ ሃገር ናይ ምውጻእ ዕድል …

Read More »

ኣብ ዝመጽእ 50 ዓመታት፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኢጣልያውያን ክቕንስ ምዃኑ ይግመት

ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ 50 ዓመታት፡ መጠን ብዝሒ ህዝቢ ኢጣልያ ብ 20% ክጎድል ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ማለት ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ 59.6 ሚልዮን ናብ 47.6 ሚልዮን ከንቕልቁል እዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ንጸብጻባት በዓል መዚ ሃገራዊ ስታትስቲክስ ኢጣልያ፡ ኢስታት (Istat)፡ መስረት ብምግባር ሓቢሩ። ብብዝሒ ህዝቢ እንክረአ፡ ኢጣልያ ሓንቲ ካብተን ዝተሓተ መጠን ወሊድ ዘለወን ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ‘ያ። ብመሰረት ኢስታት፡ …

Read More »

ቻይና . . . ንሓንቲ ደርፊ ኣጊዳታ

ኣብ ልዕሊ ቤይጂንግን ደገፍታን ዝሕጭጭ ትሕዝቶ ዘለዋ ደርፊ፡ ኣብ ቻይና ከም እተኣገደት ቢቢሲ ሓቢሩ። እዛ ብቛንቋ ማንደሪን ዝተሰርሐት ደርፊ፡ ድምጻዊ ናመዊ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይናን ሃገራውያን ባእታታትን ሕጫጨን ነቐፌታን ዝሓዘለት ምዃና ተገሊጹ። እዛ ቪድዮ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዛ፡ ኣብ YouTube ብ 30 ሚልዮን ሰባት ከም እተራእየት እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። “እዛ ደርፊ ንገለ ባእታታት ትትንክፍ ትኸውን እያ ዝብል ሓሳብ እኳ …

Read More »

ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ነጻ ተለቒቖም

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሱዳን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር። እዞም ሰበ ስልጣን፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዘይኣክል፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝልቀቑ ከምዝተገብረ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክን መራሒ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን፡ ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንምፍታሕ ናይ …

Read More »

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ካልኣይን መወዳእታ ክፋል

“ከምቲ ዝበልኲኻ መዓት ሃደንቲ ደቒ ተባዕትዮ ስለ ዝነበሩ፡ ሻማ ሻማ ኢሎም’ዮም ተቀቢለሙኒ፡ ኣብቲ ፈለማ ከምንግስቲ’የ ከቢረ፡ ንመልክዐይን ፍቕረይን ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ ክውሕዙኒ ብምጅማሮም፡ ተስፋይ በሪዂ ምስቲ ሓደ ተዘናጊዐ፡ ናብቲ ሓደ ክሰግር ምንም ግዜ ኣይነበረንን፡ ብላዕ ስተ’ዩ ነይሩ፡ ከይተረድኣኒ ብዘይሓደ ቑም ነገር ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺረ፡ ክዳውንቲ ቀያይርካ ናብትን ናብትን ምባል ኮይኑ ስርሐይ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን ዓመት’የ ናብታ …

Read More »

ዮቶቦሪ …. ድሕሪ ንዓሌትነት ዝቓዎም ሰልፊ፡ ሰለስተ ተፈሪዶም

ምስ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ “ብላክ ላይቭስ ማተር ” ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ገበን፡ ሰለስተ ተወሰክቲ ሰባት ተፈሪዶም። ሓደ ካብኣቶም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት -ማእሰርቲ ክፍረድ ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ዕዮ ከገልግሉ ከምዝተወሰነሎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ካልኣይ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ኮማዊ ቤት -ፍርዲ ዮቶቦሪ፡ 36 ሰባት ብዝተፈልላለዩ ነገራት ዝተከሰሱሉ ‘ዩ። ኣብ ሞንጎ እቶም …

Read More »

ፖላንድ፡ ንተወሳኪ እገዳታት ትዳሎ

ፖላንዳዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማተዩዝ ሞራወስኪ፡ ድሕሪ ምስ ናይ ጀርመን ቻንስለር ነበር ኣንጀላ መርከል ኣብ በርሊን ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ፡ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ዘሎ ቅልውላው ንክብእስ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎን፡ እዚ እንተ ደኣ ኣጋጢሙ ከኣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ስርዓት ሚንስክ ግድን ድምጹ ከትርር ክዳሎ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኩ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ “ግድን ንተወሳኪ እገዳታት ክንዳሎ ኣሎና፡ ንንግዲ …

Read More »

ሰባት ብምስቓይ ተኸሲሱ ዝነበረ ጀነራል፡ ፕረዚደንት ኢንተርፖል፡ ኮይኑ

ሓደ ዜጋ ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ጀነራል፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ናይ ምስቓይ ተግባር ተሓባባሪ ኔርካ ተባሂሉ ተኸሲሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፕረዚደንት ዓለማዊ ወኪል ፖሊስ (ኢንተርፖል) ክኸውን ተመሪጹ ኣሎ። እዚ ኣሕመድ ናስር ኣልረኢሲ ዝተባህለን ዋና ኢንስፐክተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ኢማራትን ብምዃን ዘገልገለ ዜጋ ኣብዚ ትካል ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ትርፊ ግዜን ዘይክፈሎን ኣገልግሎት ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሚኒስተሪ ውሽጣዊ ጒዳያት እታ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com