Tuesday , May 21 2024

ካብዝን ካብትን

ምሕደራ ሽወደን . . . 3ይ ክፋል . . . ብሓባር ምውሳን

ኣብቶም ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብ ዝጋብኡ (ዝሳለጡ) መንግስታዊ ዋዕላታት፡ መንግስቲ ኣብ ኩሎም መንግስታዊ ውሳኔታት ናይ ሓባር ውሳኔታት ይውስን። መንግስቲ ውሳኔ ንኽውስን፡ ብውሕዱ 5 ሚኒስተራት ክርከቡ ኣለዎም። እዞም ዕላውያንን ናይ መወዳእታን ዝኾኑ መንግስታዊ ውሳኔታት’ዚኦም ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ዝኽተሉዎ መስርሕ ነዊሕ ግዜ እዮ ዝወስድ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ዝትግበር ድሕሪ ዕላዊ ዝኾነ ናይ በዙሕ ኣዋርሕ ዕዮታት ስዒቡ እዩ። ሓደሓደ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . ካልኣይ ክፋል . . . መንግስቲ ሽወደን ኣብ ተግባር (ምሕደራ ናይ መንግስቲ ሽወደን)

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምዕባለ ናይ ሕብረተሰብ ዝጸልዉ ሕግታት ዝሕገጉሉን ዝማሓየሽሉን ኣገባብ ዝመርሕን ዘማሓድርን ወሳኒ ሓይሊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ተጸዋዕነት ናይ መንግስቲ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ኮይኑ፡ ነቶም ዝነደፎም ፖሊሲታቱ ንኽትግብር፡ ናይ ግድን ድጋፍ ናይቲ ባይቶ የድልዮ። እቲ መንግስቲ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ሓዊሱ ነታ ሃገር የማሓድርን ይመርሕን፡ • ሕጊ-ተንከፍ ዝኾኑ እማመታት ናብቲ ፓርላማ የቕርብ • ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቑ ውሳኔታት የተግብር • ብባይቶ ሽወደን …

Read More »

እስራኤል፡ ብምኽንያት ሓድሽ ጅር፡ ኦሚክሮን፡ ወጻእተኛታት ናብ ሃገራ ከይኣትዉዋ ኣጊዳ

ብምኽንያት ምኽሳት ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ኦሚክሮን፡ እስራኤል፡ ን 14 መዓልታት ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ እያ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ቫይረስ ናብ እስራኤል ከይኣቱ፡ ናይ ኮለላ ስርሒት ከተካይድ እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እገዳ፡ ብካቢነ እታ ሃገር ብምሉእ ድምጺ ምስ ጸደቐ ካብ ዝቕጽል ሰንበት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ኣብ እስራኤል፡ ዛጊት ሓደ ሰብ በዚ ሓደገኛ ለበዳ ጅር ኦሚክሮን፡ ተለኺፉ ምህላዉ …

Read More »

ኡጋንዳ: ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ADF: ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተካይድ

ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊቲ ካብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራስያዊት ሪፓብሎክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ጥምረት ዴሞክራስያዊ ሓይልታት ADF ዝተባህለ ጒጅለ ናይ ኣየርን ከቢድ ብረትን መጥቃዕቲ ምክያዱ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ስርሒታት ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረት ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል ኡጋንዳ: ብርጋዴር ጀነራል ፍላቪያ ብዬክዋሶ: እያ። እዚ ስርሒት: ምስ መሻርኽቲና ዝኾነ መንግስቲ ኮንጎ ኢና ነካይዶ ዘሎና ዝበለት እታ ኣፈኛ: እቲ መጥቃዕቲ ብልክዕ ኣበየኖት ከባቢትታ ይካየድ ምህላዉ …

Read More »

ባርባዶስ: ሪፓብሊክ ኮይና

ባርባዶስ: ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ: ብወግዒ ካብ መሪሕነት ሃገር ብምእላይ ሪፓብሊክ ምዃና ኣዊጃላ። እዚ ወግዓዊ ስግግር ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ብሪጅታውን: ተጸንቢሉ’ሎ። ኣብዚ ፍርቂ ለይቲ እተፈጸመ መበል 55 ዓመት ናጽነትን ምስግጋር ሪፓብሊክነትን: ዳም ሳንድራ ሜዘን: ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ክትከውን ቃለ መሓላ ፈጺማ’ላ። መስፍን ዌልስ ከምኡ’ውን ካብ ባርባዶስ እትውለድ ድምጻዊት ሪሃና ኣብቲ ጽምብል ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ: መስፍን ዌልስ: ኣብ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ባይቶ ኣውስትራልያ: ጾታዊ ምትንኻፋት ይወርደን ምህላዉ ተገሊጹ   

ሲሶ ዝኾና ሰራሕተኛታት ባይቶ ኣውስትራልያ: ጾታዊ ምትንኻፋት ከም ዝወርደን ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣባል ስታፍ ባይቶ ነበር: ብሪታኒ ሂጊንስ: ብመሳርሕታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር: ጾታዊ ዓመጽ ከም እተፈጸማ ድሕሪ ምግላጻ እዚ መርመራ ክግበር ልእኽቶ ከም እተዋህቦ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ንሳ ዝወረዳ በደል ድሕሪ ምግላጻ: ኣብ ከተማ ካንቤራ: ዝካየድ ዘሎ ቀይዲ በተኽ ተግባራት: ዓቢ መዘራረቢ ጒዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ጾታዊ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . ቀዳማይ ክፋል . . . ኣመራርጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን

ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምዛዝ፡ ወሃብ ቃል ባይቶ ሽወደን (ፕረዚደንት)፡ ምስ መራሕቲ ውድባት ብምርኻብ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝኸውን ሕጹይ ብምርቋሕ፡ ንምጽዳቑ (ንተቐባልነቱ) ናብቲ ፓርላማ ከም ዝቐርብ ይገብር። ድሕሪኡ እቲ ብወሃብ-ቃል ዝተሮቕሐ ሕጹይ፡ ብመስርሕ ኣሉታዊ ፓርላመንታዊነት (negative parliamentarism) ኣቢሉ ክምረጽ ይግበር። ብተግባር ክርአ ኸሎ እዚ ማለት፡ እቲ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ክንደይ ዝኣክል ቁጽሪ ናይ ‘እወ’ ይርከብ ብዘየገድስ፡ እቲ ‘ኣይፋልን’ ዝብል ቁጽሪ ካብ 175 ብዝንእሱ …

Read More »

ኢትዮጵያ፥ ወተሃደራት ሱዳን ኣይቀተልኩን ትብል

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ንዝብል ዜና ኣመልኪቱ፡ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ክብል ምግላጹ ኣብ ኣመሪካ ንዝመደብሩ ESAT ዝተሰምየ ማዕከን ዜና ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሱዳን እነጥቅዓሉ ምኽንያት የብልናን፡ ብዘይብእኡ እውን ካብ ሰሜን ንዝመጹና ዕጡቃት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምምካት ኢና ንርከብ ዘለና ክብል ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ገሊጹ’ሎ። ንሱ፡ …

Read More »

ኣመሪካን ኢራንን ዝተጀመረ ዘተ ኑክሌር፡ ክቕጽል ድሌት ከም ዘለወን ይገልጻ

ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ዘተ ውዕል ኑክሌር ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቪዬና ኦስትርያ ክቕጽል እዩ ተባሂሉ። ኣብዚ ዘተ፡ ኣመሪካ ናብቲ ኣብ 2015 ዝኣተወቶ ውዕል ክትምለስን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተጻዕነ እገዳ ኸኣ ክለዓልን ዝብሉ ጒዳያት ብሰብመዚ ክለዓሉ ከም ዝኽእሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ውዕል 2015 ድሕሪ ምስሓቡ፡ ኢራን እውን ኣብቲ ውዕል ዘለዉ ወሰንቲ ሕጊታት ብምጥሓሳ ኣብ ልዕሌኣ እገዳ ተጻዒኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። …

Read More »

ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ሰማይ ዓሪጉ

ካብ ዓመተ 2011 ጀሚሩ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ኣርባዕተ ናይ ዋጋ ከባቢታት ከምዝተመቕለት ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ልዑል ምህላዉ እኳ እንተተፈልጠ፡ ካብ ሎሚ ስኑይ ጀሚሩ፡ ገምጋም ማእከላይ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ገምጋም ማእከላይ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ ናይ ክልተ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከባ ናይ ዋጋ ከባቢታት፡ 2.40 ክሮነር/ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com